11 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
11 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 302 ሕ.ጽ. 8–ገጽ 305 ሕ.ጽ. 14
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 21-24
ቍ. 1፦ እያሱ 24:1-13
ቍ. 2፦ ኣምላኽ ዘይሓልን ዘይድንግጽን ድዩ፧
ቍ. 3፦ td 19ሀ 144,000 ጥራይ እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ሰባት ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም ዚገብሩ ኣርእዮም። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 28-31 ኣብ ዚርከብ “ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም እትገብር” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 7 ተመርኲሱ ንሓደ ሓድሽ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚዳሎ ኺሕብሮ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ብምቕራብ ጀምር።
15 ደቒቕ፦ “ንኽሰብኽ ብቑዕ ድየ፧” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ። ንቝጽሪ 4 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተጠቒምካ ንሓደ ኣስፋሒ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ፦ ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ኽትሰብኽ እንታይ ዕንቅፋታት ሰጊርካ፧ ኣብ ኣገልግሎትካ ንጡፍ ንኽትከውንን ፍረ ንኽትረክብን እንታይ ሓጊዙካ፧