20 መስከረም እትጅምር ሰሙን
20 መስከረም እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 10 ሕ.ጽ. 9-15፡ ኣብ ገጽ 114 ዘላ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ነገስት 19-22
ቍ. 1፦ 2 ነገስት 20:1-11
ቍ. 2፦ ዓቃላት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ማቴ. 5:5)
ቍ. 3፦ td 34ሐ መወዳእታ ግዜ ምንዋሑ ናይ ምሕረት ምድላው እዩ
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ዓሚምና፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት እተዓምመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር፡ እታ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝነበራ ንጥፈታት ኣቕርብ፣ ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ድማ ንኣዶም። ሓለፍ ዝበለ ተመክሮታት ንዘለዎም ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ኣብ ዚመጽእ ዓመት ኪትኰረሉ ዘለዎ ሓደ ወይ ክልተ መዳያትን ኬመሓይሹሉ ዚኽእሉ ግብራዊ ሓሳባትን ጥቐስ።
10 ደቒቕ፦ “ነቶም ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜቕርቡ ዚኸውን መምርሒ።” ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።
10 ደቒቕ፦ ደቅኹም ኣስፋሕቲ ንኪዀኑ ሓግዝዎም። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 82 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዝዀነ ውሉድ ዘለዎ ኣብነታዊ ወላዲ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ። እቲ ወላዲ ንውሉዱ ዕቤት ገይሩ ኣስፋሒ ንምዃን ብቕዓት ንኺህልዎ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧