ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/11 ገጽ 3
  • ‘ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሕልናኹም ሓልውዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ‘ብግዜኡ እተዳለወ ምግቢ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ቃል ኣምላኽ ንትምህርቲ ይጠቅም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ስማዕን ተምሃርን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 8/11 ገጽ 3

‘ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን’

1. ፍረ ነገር እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2012 ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ኽንመሃር ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

1 ብፍቓድ የሆዋ ኢና ተፈጢርና። (ራእ. 4:11) ስለዚ፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዘይተማሂርናን ፍቓድ ኣምላኽ ዘይንገብር እንተ ዄንናን፡ ነቲ እተፈጠርናሉ ዕላማ ኽንፍጽሞ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ “ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት” ወይ ከኣ “ፍቓድ ኣህዛብ” ክንገብር ምስ ዚፍትነና ውሽጣዊ ዝንባለ ስለ እንቃለስ፡ ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። (ኤፌ. 2:3፣ 1 ጴጥ. 4:3፣ 2 ጴጥ. 2:10) ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ከኣ፡ ኣብ “መፈንጠራ ድያብሎስ” ክንወድቕ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 2:26) እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2012 ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ነፍሲ ወከፍና ምስቲ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና እተዋህበትና ጸሎት ዘሎ ሳልሳይ ሓሳብ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ኪሕግዘና እዩ። ፍረ ነገር እቲ ኣኼባ፡ “ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን” ዚብል ኪኸውን እዩ።—ማቴ. 6:9, 10

2. ኣብቲ ኣኼባ መልሲ ዚወሃበሉ ሕቶታት እንታይ እዩ፧

2 መልሲ ዚወሃበሉ ሕቶታት፦ ኣብቲ ኣኼባ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ጽዓር፦ ንቓል ኣምላኽ ካብ ምስማዕ ንላዕሊ፡ እንታይ ካልእ ኣገዳሲ ነገር ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኸነስተውዕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንዅሎም ሰባት ክንሕግዞም ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣቱም መንእሰያት፡ ንየሆዋ እንታይ ኢኹም ከተርእይዎ ዘለኩም፧ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧ ንኻልኦት ክንሃንጾምን ከነተባብዖምን ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3. ካብቲ ተዳልዩልና ዘሎ መንፈሳዊ መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ኣብቲ ኣኼባ ኽትእከብን ጽን ኢልካ ኽትሰምዕን ጽዓር። ካብ ቤትኤል ዝመጸ ተወካሊ ወይ ገያሺ ሓላዊ፡ ከም በጻሒ ተዛራባይ ኰይኑ ኺመጽእ እዩ። ቅድሚ እቲ ኣኼባን ድሕሪኡን፡ ምስኡ፡ እተመርዓወ እንተ ዀይኑ ኸኣ እንተላይ ምስ ሰበይቱ ኣዕልል። ናብ ቤትካ ምስ ተመለስካ፡ ‘ዚርስዕ ሰማዒ’ ኣይትኹን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ነቲ ትምህርቲ ኸልሶ፣ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ከም እትኽእል ከኣ ተመያየጡ።—ያእ. 1:25።

4. ፍቓድ ኣምላኽ ከነቐድም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቶም ደድሕሪ ዚፈትውዎ ነገራት ዚስዕቡን ንፍቓድ ኣምላኽ ዘይግዝኡን ሰባት ኪጠፍኡ እዮም። (1 ዮሃ. 2:17) ስለዚ እምበኣር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከነቐድም ዚሕግዘና እዋናዊ ትምህርቲ ስለ ዘዳለወልና፡ ንየሆዋ ነመስግኖ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ