ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/12 ገጽ 4
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 1/12 ገጽ 4

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ፡- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጻዕሪ ግበር። ለካቲት፦ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። መጋቢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጻዕሪ ግበር። ሚያዝያ፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!። እቲ በዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እትብሃል ትራክት ሃቦ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ከኣ ጻዕሪ ግበር።

◼ ብፍላይ ኣብ ከተማታት፡ ጽሑፍ ብቛንቋኦም ኬንብቡ ዚመርጹ ኻብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት የጋጥሙና እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብቲ ኣምሓርኛ ዚዛረቡ ሰባት ብብዝሒ ዚነብሩሉ ኣከባቢ እውን ከይተረፈ፡ ክትዕዘቡን ብኻልእ ቋንቋታት ጽሑፋት ክትሕዙን ነተባብዓኩም። ወይ ከኣ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢኹም ዚነብሩ ሰባት ክልተ ቛንቛ ዚዛረቡ እንተ ዀይኖም፡ ብኽልቲኡ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፋት ሒዝኩም ኣምርጽዎም። በዚ መሰረት እዚ፡ ንሓለውቲ ኣገልግሎት ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት ኪሓቱ ንምሕጸኖም። ንኣብነት፡ ብሲዳምኛ፡ ብትግርኛ፡ ብቻይንኛ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብኦሮምኛ፡ ከምኡውን ብወላይትኛ እተዳለወ እተፈላለየ ትራክትታት ኣሎ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዚብሃላ መጽሓፍቲ በዚ ቛንቋታት እዚ ተዳልየን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ እዚ ዚስዕብ ጽሑፋት ኣሎና፦ ንኣምላኽ ኣምልኽ (ብኦሮምኛ) ከምኡውን ንዘለኣለም—ምንባር ትኽእል ኢኻ (ብትግርኛ)፣ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! (ብኦሮምኛ፡ ብሲዳምኛ፡ ብትግርኛ፡ ብወላይትኛ)፣ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት (ብትግርኛን ብወላይትኛን)፣ ብቕዓት (ብትግርኛን ብወላይትኛን)፣ ዓርኪ ኣምላኽ (ሲዳምኛን ወላይትኛን)፣ መናፍስቲ ምዉታት (ኦሮምኛ፡ ሲዳምኛ፡ ትግርኛ፡ ወላይትኛን)፣ መለኮታዊ ስም (ብትግርኛ)፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም (ብትግርኛ)። እተፈላለየ ጽሑፋት ምስ እትሕዙ ውጽኢታዊ ኣገልግሎት ከም ዚህልወኩም ንተኣማመን ኢና።

◼ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ብሓለውቲ ወረዳ ዚወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ መደረ፡ “እምንቶኹም ብየሆዋ ድዩ፧” ዚብል ኪኸውን እዩ።

◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ፦ እንግሊዝኛ፦ ኢንዴክስ 2001-2010፣ ሲዲ ሲንግ ፕረይዝ ቱ ጂሆቫ ቮካል ቍ. 3ን ቍ. 4ን።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ፦ ኣምሓርኛ፦ ትንቢት ዳንኤል።

◼ ንጥቕሚ እቶም ናይ ምርኣይ ሽግር ዘለዎም ሰባት ተባሂሉ፡ እቲ ብኣምሓርኛ ዚዳሎ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ካብ 15 ጥሪ 2012 ጀሚሩ ብፍሩይ ሕታም ካብ jw. org ወብ ሳይት ኪራገፍ ከም ዚኽእል ከነፍልጠኩም ከለና ባህ ይብለና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ