ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ውድብ ዘለዎዶ ይመስለካ፧ ወይስ፡ ምስ ውልቀ ሰባት ጥራይ እዩ ዚራኸብ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ዝወደቦም ህዝቢ እንታይ ተባሂሉ ኸም ዘሎ ርአ።” ኣብታ ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 16 ገንጽል እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓንቲ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጠሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ቐጺላ ዘላ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠላ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ ኣርማጌዶን ብዙሕ ምይይጥ ኪግበር ጸኒሑ እዩ። ወዲ ሰብ፡ ኣርማጌዶን ንኸይፍጸም ኪገብሮ ዚኽእል ነገር ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ጽሑፍ እዚ፡ እታ ‘ኣርማጌዶን’ እትብል ቃል ካበይ ከም ዝመጸት ይገልጽ። [ራእይ 16:16 ኣንብብ። ንገበር እታ መጽሔት ድማ ኣርእዮ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ።”
Awake! February
ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ሰባት ብኢንተርነት ምዕላል የሐጕሶም እዩ። እዚ ሓደጋ ዘለዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መዳይ እዚ ኺጠቕመና ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓት ሒዙ ኣሎ። [ገጽ 6-9 ገንጽል እሞ፡ ንሓንቲ ኻብቲ ሕቶታትን ንሓንቲ ጥቕስን ተመያየጠለን።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ብኢንተርነት ዚግበር ዕላል ዜስዕቦ ሓደጋ ኣለሊኻ ንኽትኣልዮ ኽትሕግዘካ እያ።”