ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብዙሓት ሰባት፡ ድያብሎስ በቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ እከይ ተሓታቲ ዀይኑ ይስምዖም። ኰይኑ ግና፡ ‘ድያብሎስ ካበይ እዩ መጺኡ፧ ኣምላኽ ድዩ ፈጢርዎ፧’ ኢሎም ይሓትቱ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ።” ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ፣ ነታ ናይ መጀመርታ ሕጡብ ጽሑፍን ነተን ጥቕስታትን ድማ ተመያየጡለን። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት
“ብሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ኣይሁድነትን ምስልምናን ኣኽቢርካ ብዛዕባ ዚርአ ሰብ፡ ርእይቶኻ ኽንፈልጥ ምደለና። እቲ ሰብ፡ ሙሴ እዩ። ስሙ ኽትሰምዕ ከለኻ፡ ብቐዳምነት ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሙሴ ጌጋታት እኳ እንተ ገበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚገልጾ ዜገርም እዩ። [ዘዳግም 34:10-12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ሰለስተ ጽቡቕ ባህርያቱን ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።”
ንቕሑ! ለካቲት
“ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰባት ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ይስደዱ እዮም። ኵሉ ግዜ ነቲ ዚደልይዎ ዝነበሩ ነገራት ዚረኽብዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ስደት ሓድሽ ኣይኰነን። ነዚ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ዘሎ ኣብነት እሞ ርአ። [ዘፍጥረት 46:5, 6 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚአን ትምልሰን።” ነቲ ብዓል ቤት፡ ነተን ኣብ መወዳእታ እታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ ዘለዋ ሕቶታት ኣርእዮ።