መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 1 ለካቲት
“ኣምላኽ ከመይ ከም ዚመስል ኪፍለጥ ዚከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚምልከት ኣገዳሲ ሓሳባት ሒዘ ኣለኹ።” ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ ሕቶ 2 ዘሎ ሓሳባትን ንሓንቲ ኻብቲ ጥቕስታትን ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። ነታ መጽሔት ኣብርከተሉ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሕቶ 3 ዘሎ ሓሳባት ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
Awake! February
“ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ስለ ዝዀነ፡ ብመዳይ ስነ-ፍልጠት ቅኑዕ ዘይኰነ ይመስሎም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምዃኑ የገርሞም እዩ። [ኢሳይያስ 40:22 ኣንብብ።] እታ ኣብ ገጽ 22 እትጅምር ዓንቀጽ ነታ፡ ‘ስነ-ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ይቃዶ ድዩ፧’ እትብል ሕቶ፡ መልሲ ትህበላ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስብከቶም ይፍለጡ እዮም። ነዚ ዕዮ ስብከት እዚ ስለምንታይ ከም ዚዓይዎ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ሓሳባት እዚ ኣቕልበሉ። [ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ‘እዚ ወንጌል እዚ እንታይ እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እቲ ዚመጽእ መወዳእታ እንታይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶታት ትምልስ።”
Awake! March
“ሓያሎ ሰባት ብሕማም ስለ ዚሳቐዩ፡ ነዛ እተተባብዕ ጥቕሲ ነንብበሎም ኣሎና። [ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።] እዚ ኺፍጸም ከሎ፡ ህይወት ከመይ ዚኸውን ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ነዚ ለውጢ እዚ ኽሳዕ ዘምጽኦ ግን፡ ኵላትና ጥዕናና ንምምሕያሽ ክንክተሎ እንኽእል መሰረታዊ ነጥብታት ኣሎ። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባኡ ትገልጽ እያ።”