መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ዳርጋ ዅሉ መዓልቲ እከይ ብዛዕባ ዝገበሩ ሰባት ወረ ንሰምዕ ኢና። [ኣብቲ ኸባቢ ፍሉጥ ዝዀነ ኣብነት ጥቐስ።] ሰባት እከይ ንኺገብሩ ዚጸሉ ዘይርአ እኩይ ሓይሊ ይህሉ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ራእይ 12:12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ከነዕቍባ ኸም እንኽእል ትገልጽ።”
Awake! June
“ኵልና ንኽንነብር ገንዘብ የድልየና እዩ። ገንዘብ ብዛዕባ ምርካብ ጭንቀት ኪሓድረና ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዘንብበልካ ጥቕሲ ደድሕሪ ሃብቲ ብዛዕባ ምጕያይ እንታይ ከም እትብል ርአ። [1 ጢሞቴዎስ 6:10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ናብራና ቐሊል ክንገብሮን ብውሑድ ገንዘብ ክንናበርን ዜኽእል ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ
“ሎሚ: ብዙሓት ሰባት ንቕኑዕን ጌጋን ናይ ገዛእ ርእሶም መዐቀኒታት የውጽኡ ምህላዎምሲ ኣስተብሂልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ መምርሒ ዚገልጽ ኣብነት ንርአ። [ካብቲ ኣብ ገጽ 6-7 ዘሎ ሳጹን ዚርከብ ጥቕስታት ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሕላው ዜምጽኦ ጥቕሚ ትገልጽ።”
Awake! July
“ሓያሎ ሰባት ብእተኻእሎም መጠን ብሉጽ ናብራ ህይወት ኪነብሩ እዮም ዚጽዕሩ: ሕያዋይ ሰብ ምዃን ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኸኣ ይስምዖም። ንስኻኸ ንህይወት በዚ ኸምዚ ዲኻ እትጥምቶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ ሕያውነት ወይ ሰናይ እንህቦ መግለጺ ኻብቲ ኣምላኽ ዚህቦ መግለጺ እተፈልየ እንተ ደኣ ዀይኑ እንታይ ሓደጋ ኸም ዜስዕብ ኣስተብህል። [ምሳሌ 14:12 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕያዋይ ሰብ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 20 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።