ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/14 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 1/14 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ገሊኦም ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኺኣምኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ግና ከም ሓደ ተራ መጽሓፍ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንስኻኸ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለካ ርእይቶ እንታይ እዩ፧” መልሲ ተጸበ። ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ መደብ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካቲት

“መብዛሕትኦም ሰባት፡ ውግእ ተዛዚሙ ኺርእዩ ይህንጠዩ እዮም። ኣብ ዓለም ሰላም ኪሰፍን ከም ዚኽእል ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዚመባጻዕ እስከ ንርአ። [መዝሙር 46:9 ኣንብብ።] እቲ ዜገርም ግና፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ድሕሪኡን እተፈጸመ ውግእ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ነዚ ትንቢት እዚ ኸም ዚፍጽሞን ንውግእ ንሓዋሩ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉን የረጋግጸልና እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባኡ ትገልጽ እያ።”

ንቕሑ! ለካቲት

“ንዅላትና ብዛዕባ ዜጋጥመና ነገር ኢና ኽንመያየጥ መጺና። ኵሉ ኽንገብሮ እንደሊ ነገራት ንምግባር ዜኽእል ግዜ ዘሎ ኣይመስልን እዩ። እንደልዮ ነገራት ንኸይንገብር ግዜ እንስእነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ምበልካ፧ ብዙሕ እንገብሮ ነገር ስለ ዘሎ ድዩ፧ ወይስ ካብ ግዜና ብዙሕ ስለ እነባኽን እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓያሎ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጠቓቕማ ግዜ ዚምልከት ኪሕግዘና ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ኸም ዝሓዘ ኣይፈልጡን እዮም። ሓደ ኣብነት ኪህበካ። [ፊልጲ 1:10ለ ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሓያሎ ሰባት ንግዜኦም ብጥበብ ንኺጥቀሙሉ ዝሓገዞም ኣርባዕተ ሜላታት ትገልጽ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ