ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብ መስከረም፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“እተፈላለየ ዜግነትን እምነትን ዘለዎም ሰባት መዓልታዊ ይጽልዩ እዮም። ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖን ዚምልሶንዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ናይ 1 መስከረም ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ እሞ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብን ንሓደ ኻብቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ተመሊስካ መጺእካ ነታ እትቕጽል ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
The Watchtower 1 መስከረም
ንገበር እታ መጽሔት ኣርኢኻ ኸምዚ በል፦ “ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እሞ ኣስተብህል። [1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ዚገዝኣ ዘሎ፡ ‘እቲ እኩይ፡’ ማለት ድያብሎስ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ግና፡ ካልእ ሕቶ እዩ ዜበግስ። ድያብሎስ ካበይ እዩ መጺኡ፧ ንምዃኑኸ ኣካል ኣለዎዶ፧ ኣምላኽ ንድያብሎስ፡ ክሳዕ መዓስ ኪገዝእ እዩ ፈቒዱሉ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! September
“ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ጸገም ገንዘብ ይጭነቑ እዮም። ድራር ዕለት ምምእራር ኣጸጋሚ ዚኸውን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሓት ሰባት ንገንዘቦም ብኸመይ ከካውንዎ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ጥበባዊ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። [ንሓንቲ ኻብተን ኣብ ገጽ 8-9 ዘለዋ ጥቕስታት ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቶም ብዕዳን ዕንዲዳን ዚሳቐዩ ሰባት ዚኸውን ግብራዊ ምኽርታት ሒዛ ኣላ።”