መደብ 30 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
30 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 43ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 3 ¶4-11 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤርምያስ 32-34 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ንናይ ቀረባ እዋን ግምቢ ዘብዐኛ እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ብዛዕባ ሃይማኖት ንዚለዓል ተቓውሞ እንምልሰሉ መገዲ። ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ ካብ ገጽ 330፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4፡ ክሳዕ ገጽ 333 ሕጡብ ጽሑፍ 2 (ወይ ከኣ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 9) ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ሓደ ወይ ክልተ ርእይቶ ኣሕጽር ኣቢልካ ብመርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ግብሪ ሃዋርያት 4:1-13, 18-20 ኣንብብ። እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ኪሕግዛና ኸም ዚኽእላ ኸኣ ግለጽ።
5 ደቒቕ፦ “ክልተ ሳንቲም።” መደረ።
መዝሙር 13ን ጸሎትን