መደብ 4 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
4 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 42ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 16 ¶8-12፡ ኣብ ገጽ 132 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 22-25 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ማቴዎስ 23:25-39 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ስም ኣምላኽ—td 35ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:5 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጥበብ ዜብርሆ፧ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ለካቲት መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ሓደ ሰብ፡ ‘ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ’ ምስ ዚብል። ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ ካብ ገጽ 150፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ክሳዕ መወዳእታ ገጽ 151 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ሓንቲ መርኣያ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 1ን ጸሎትን