ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ለካቲት 2013 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. የሱስ፡ እቶም “ዚሓዝኑ” ሕጉሳት ከም ዝዀኑ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 5:4) [7 ጥሪ፡ w09 15/2 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 6]
2. የሱስ ኣብታ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ኣብነት እትዀነና ጸሎት፡ “ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ማቴ. 6:13) [7 ጥሪ፡ w04 1/2 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 13]
3. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ” ሰቢኾም ከም ዘይውድኡ ዝነገሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 10:23) [14 ጥሪ፡ w10 15/9 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 12፣ w87-E 1/8 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 6]
4. እቲ የሱስ እተዛረቦ ብዛዕባ ፍረ ኣድሪ ዚገልጽ ምሳሌ፡ እንታይ ክልተ ነገራት እዩ ዜጕልሕ፧ (ማቴ. 13:31, 32) [21 ጥሪ፡ w08 15/7 ገጽ 17-18 ሕ.ጽ. 3-8]
5. የሱስ፡ “እንተ ዘይተመሊስኩም፡ ከም ቈልዑ እውን እንተ ዘይኴንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም” ኪብል ከሎ፡ እንታይ ኪምህር እዩ ዚጽዕር ነይሩ፧ (ማቴ. 18:3) [28 ጥሪ፡ w07 1/2 ገጽ 9-10 ሕ.ጽ. 3-4]
6. እተን “ንስኻ እኳ በልካ” ዚብላ ቓላት የሱስ፡ እንታይ ማለት እየን፧ (ማቴ. 26:63, 64) [11 ለካ.፡ w11 1/6 ገጽ 18]
7. የሱስ፡ “ጐይታ ሰንበት” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ (ማር. 2:28) [8 ለካ.፡ w08 15/2 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 7]
8. የሱስ ንኣዲኡን ንኣሕዋቱን በዚ መገዲ እዚ ዝመለሰሎም ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ማር. 3:31-35) [18 ለካ.፡ w08 15/2 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 5]
9. ከምቲ ኣብ ማርቆስ 8:22-25 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሱስ ነቲ ዕዉር ሰብኣይ ብኽልተ ደረጃ ዘሕወዮ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [25 ለካ.፡ w00 15/2 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 7]
10. ካብቲ ኣብ ማርቆስ 8:32-34 ተመዝጊቡ ዚርከብ የሱስ ንመግናሕቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ኢና እንምሃር፧ [25 ለካ.፡ w08 15/2 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 6]