መደብ 25 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
25 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 17 ¶8-14፡ ኣብ ገጽ 137 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማርቆስ 5-8 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ “ግድን ከተቋርጽ ኣሎካ ድዩ፧” ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ እቲ ኽንሰብኮ ዚግባእ መልእኽቲ—‘ምስክር የሱስ ምሓዝ።’ ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ካብቲ ኣብ ገጽ 275 ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ገጽ 278 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ብውዕዉዕ ስምዒት ዚቐርብ መደረ።
15 ደቒቕ፦ የሆዋ ንኽንሰብኽ የሐይለና። (ፊል. 4:13) ጸገማት ጥዕና እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ንዚካፈሉ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም። እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧ ንነዊሕ እዋን ተስፋ ንኸይቈርጹ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ እታ ጉባኤ ግብራዊ ሓገዝ ዝሃበቶም ብኸመይ እያ፧ ከይበዀሩ ብምግልጋሎም ብኸመይ ተጠቒሞም፧
መዝሙር 42ን ጸሎትን