መዝሙር 24
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!
1. ይርእያ ’ዒንቲ ዕዉራት፡
ይሰምዓ ኣእዛን ጸማማት፡
ሓንካስ ከም እራብ ይዘልል፡
ምድሪ ኣጻምእ ይፍልፍል፣
ይዕምብብ ምድረ በዳውን፡
እተፍቅሮ ኣይመውትን፡
ነዚ ኽትረክብ ምእንቲ፡
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ።
2. ይዛረብ ልሳን’ቲ ዓባስ፡
ዝኣረገውን ይጕብዝ፡
ምድሪ ትፈሪ መሊኣ፡
ኵሉ ኣይጠፍእን ካብኣ፡
’ስማዕ ኪዝምሩ ቘልዑ፡
ሓጐስ ሰላም ኣሎ ኣብኡ፡
ካብ ሞት ምትንሳእ ክትርኢ፡
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ።
3. ተዅላን ዕየትን ሓቢሮም፡
ምስ ድብን ምራኽን ኰይኖም፡
ንእሽቶ ቘልዓ ይመርሖም፡
ድምጹ ይሰምዑ ዅላቶም፣
ንብዓት ነበረ ይኸውን፡
ፍርሂ ቃንዛውን ኣይህሉን፡
ኣምላኽ ዚገብሮ ኽትርኢ፡
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ።
(ኢሳ. 11:6-9፣ 35:5-7፣ ዮሃ. 11:24 እውን ርአ።)