ንበዓል ዝኽሪ ንምፍላጥ ዚግበር ወፈራ፡ 1 መጋቢት ኪጅምር እዩ
1. ንበዓል ዝኽሪ ንምፍላጥ ዚግበር ወፈራ መዓስ ክንጅምር ኢና፧ ሎም ዘበን ዝነውሐ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
1 እቲ ንሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ምሳና ምእንቲ ኺእከቡ እንገብሮ ዓመታዊ ወፈራ፡ ዓርቢ 1 መጋቢት ኪጅምር እዩ። በዓል ዝኽሪ፡ 26 መጋቢት ስለ ዚግበር፡ እቲ ወፈራ ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርናዮ ቝሩብ ዚነውሕ ግዜ ኺወስድ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብፍላይ እቶም ኣብተን ብዙሕ ክሊ ዘለወን ጉባኤታት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ነቲ ወረቐት ዕድመ ንኺረኽብዎ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ።
2. ወረቐት ዕድመ ንኽንረክብን ክልና ንኽንሽፍንን ዜኽእለና እንታይ መሰናድዎታት እዩ ተገይሩ ዘሎ፧
2 ዚውደበሉ መገዲ፦ ሽማግለታት፡ ክልታት ብኸመይ ከም ዚሽፈንን ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብናዮም ሰባት ወረቐት ዕድመ ኽንሓድገሎም ንኽእል እንተ ዄንናን መምርሒ ኺህቡ እዮም። ነቲ ወረቐት ዕድመ ኻብ ቤት ናብ ቤት ድሕሪ ምዕዳልና፡ ዝተረፈ እንተ ኣልዩ፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ሓላው ኣገልግሎት፡ ቦታን ሰዓትን እተጻሕፎ ወረቐት ዕድመ ኣብቲ ጽሑፋት ወይ መጽሔታት እንወስደሉ ቦታ ኸም ዚቕመጥ ኪገብር እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብምሉኡ እቲ ወረቐት ዕድመ ብሓንሳእ ኣብኡ ኣይቅመጥን እዩ። ንሓደ ሰሙን ዜድልየና ወረቐት ዕድመ ጥራይ ኢና ኽንወስድ ዘሎና።
3. ወረቐት ዕድመ ኽንዕድል ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
3 እንታይ ክንብል ንኽእል፦ ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኸነዘራርብ፡ ሓጺር መእተዊ እንተ ተጠቐምና ይሓይሽ። ኣብ ገጽ 4፡ ንኽልና ኸም ዚሰማማዕ ጌርና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣሎ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ብዓል ቤት ምቕሉል እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ሕቶታት እንተ ኣልይዎ፡ ክንህወኽ የብልናን። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ወረቐት ዕድመ ኽንዕድል ከለና፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ መጽሔታት እውን ከነበርክት ኣሎና። ብ2 መጋቢት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ዘይኰነስ፡ ወረቐት ዕድመ ኣብ ምዕዳል ከነተኵር ኢና።
4. ኣብቲ ወፈራ ብቕንኣት ክንካፈል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ኣብ በዓል ዝኽሪ ብዙሓት ሰባት ኪመጹ ተስፋ ንገብር። እቲ ሽዑ ዚቐርብ መደረ፡ የሱስ ብሓቂ መን ምንባሩ ኺገልጽ እዩ። (1 ቈረ. 11:26) ሞት የሱስ ዚሕግዘና ብኸመይ ምዃኑ እውን ኪሕብር እዩ። (ሮሜ 6:23) ብዘይካዚ፡ ንዕኡ ምዝካርና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ኬጕልሕ እዩ። (ዮሃ. 17:3) ሃየ እምበኣር፡ ኣብቲ ወፈራ ብቕንኣት ንካፈል!