መደብ 18 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
18 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 52ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 17 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማርቆስ 1-4 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ማርቆስ 2:18–3:6 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ባህርያት ኣምላኽ—td 35ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:29-31 ዚርከብ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ ብእዋን ጸበባ ነቲ ቓል ስበኽ። (2 ጢሞ. 4:2) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2012 ገጽ 72፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-2፣ ገጽ 110፣ ገጽ 156፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 157፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ከምኡውን ገጽ 179፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
15 ደቒቕ፦ “ንበዓል ዝኽሪ ንምፍላጥ ዚግበር ወፈራ፡ 1 መጋቢት ኪጅምር እዩ።” ሕቶታትን መልስታትን። ንዅሎም ኣስፋሕቲ ሓሓንቲ ቕዳሕ ወረቐት ዕድመ ኸም ዚዕደል ግበር፣ ድሕሪኡ ነቲ ትሕዝቶኡ ተመያየጡሉ። ንሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ክሊ እታ ጉባኤ ንምሽፋን እንታይ ምድላዋት ኪግበር ከም እተሓስበ ምእንቲ ኺገልጽ፡ ንሓላው ኣገልግሎት ዓድሞ። ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ነቲ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ከም ዚዕደል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 8ን ጸሎትን