ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ዲኻ፧
1. በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ እዋን፡ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና ስለምንታይ እዩ፧
1 በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ እዋን፡ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። እቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እታ የሆዋ ንወዱ በጃ ኪኸውን ብምሃብ ዘርኣያ ዓባይ ፍቕሩ እነስተንትነሉ እዋን እዩ። (ዮሃ. 3:16) እዚ ኸኣ ንሞሳና ኸም ዚውስኽ እዩ ዚገብሮ፣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበረሎም ነገራትን ንኽንነግሮም ዘሎና ባህጊ ድማ ይዓምቝ። (ኢሳ. 12:4, 5፣ ሉቃ. 6:45) ብዘይካዚ፡ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ፈተውትናን እቶም ኣብ ክሊ እንረኽቦም ሰባትን ናብቲ በዓል ንኺመጹ ኣብ ዚዕድም ፍሉይ ወፈራ እንካፈለሉ እዋን እዩ። ድሕሪኡ፡ ንተገዳስነት እቶም ተዓዲሞም ዝመጹ ሰባት ክብ ንምባል ንጽዕር ኢና። እሞኸ ኣብ መጋቢት፡ ኣብ ሚያዝያ፡ ወይ ከኣ ኣብ ግንቦት ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ዲኻ፧
2. ወርሒ መጋቢት፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል እትምሽእ ወርሒ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
2 ንመጋቢት ፍልይቲ ወርሒ ግበራ፦ ብፍላይ ወርሒ መጋቢት፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል እትምሽእ ወርሒ እያ። እቶም ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ ኣስፋሕቲ፡ ን30 ወይ ን50 ሰዓት ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ሓላው ወረዳ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዚበጽሓኩም እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ምስ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ ዚግበር ኣኼባ ኺካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ነቲ 26 መጋቢት 2013 ዚግበር በዓል ዝኽሪ ዚኸውን ወረቐት ዕድመ ንምዕዳል ዚግበር ወፈራ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዚግበር ዝነበረ ኣቐዲሙ፡ ማለት 1 መጋቢት እዩ ኺጅምር። ብዘይካዚ፡ መጋቢት ሓሙሽተ ቐዳመ ሰናብቲ እዩ ዘለዋ። ስለዚ፡ ንስኻ እውን ንመጋቢት ፍልይቲ ወርሒ ኣብ ምግባር ኽትካፈል ትኽእል እንተ ዄንካ ንምንታይ ኣርዚንካ ዘይትሓስበሉ፧
3. ኣገልግሎትና ንምስፋሕ እንታይ መደባት ኢና ኸነውጽእ እንኽእል፧
3 ሕጂ መደብ ኣውጽእ፦ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ንመደባትካን ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ክትገብሮ ንዘሎካ ምትዕርራያትን መርምሮ። ምትሕብባር ስድራ ቤት ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት፡ ብዛዕባ ሸቶታት ስድራ ቤትካ ተመያየጡ፣ መደብ ከኣ ኣውጽኡ። (ምሳ. 15:22) ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን እንተ ዘይክኢልካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምናልባት መደባትካ ብምትዕርራይ ኣብ ኣገልግሎት ንውሕ ዝበለ እዋን ከተሕልፍ ትኽእል ደዀን ትኸውን፧ ነቲ ናብ ኣገልግሎት እትኸደሉ እዋን፡ ብሓደ መዓልቲ ኸተዛይዶ ትኽእልዶ ትኸውን፧
4. ነቲ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን እንገብሮ ንጥፈታት ክብ እንተ ኣቢልናዮ፡ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧
4 ነቲ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን እንገብሮ ንጥፈታት ክብ እንተ ኣቢልናዮ፡ እቲ ንየሆዋ ብምግልጋልን ንኻልኦት ሰባት ብምሃብን እንረኽቦ ሓጐስን ዕግበትን ኪውስኽ እዩ። (ዮሃ. 4:34፣ ግብ. 20:35) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እቲ ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ እንገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋ ኼሐጕሶ እዩ።—ምሳ. 27:11።