ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ወይ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለ ኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እ ሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። መጋቢትን ሚያዝያን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እ ሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። ግንቦት፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ ትራክትታት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ፡ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን ኢዩ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት፡ ወይ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ንሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ተጠቒምካ፡ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮ።
◼ ንበዓል ዝኽሪ ሓድሽ መደረ ተዳልዩ ኣሎ፣ ካብ 2013 ጀሚሩ ኸኣ ኵሎም ተዛረብቲ በዓል ዝኽሪ ኺጥቀሙሉ ኣለዎም። ኣርእስቲ እቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዚቐርብ መደረ፡ “ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልካ ኣማስወሉ!” ዚብል እዩ።
◼ ናይ 2013 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ “ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧” ዚብል እዩ።
◼ እዚ ዚስዕብ ሓደስቲ ጽሑፋት ተሓቲሙ ስለ ዘሎ፡ ኪሕተት ይከኣል እዩ፦ ኤርምያስ (ዓረብኛ)፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2013 (ብሓያሎ ቛንቋታት)።