መደብ 4 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
4 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 31ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 17 ¶15-19 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማርቆስ 9-12 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ማርቆስ 11:19–12:11 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኵሎም ሰባት ንሓደ ኣምላኽ ኣይኰኑን ዜምልኹ—td 35መ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ብብሕቲ ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ፡ ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ስለምንታይ እዩ፧—ግብ. 20:35 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ መጋቢት መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኸም ዚህቡሉ ግበር፦ ኣብተን ወረቐት ዕድመ እንዕድለለን መወዳእታ ሰሙናት፡ መጽሔታት ንኽትዕድል ወይ ንኸይትዕድል ዚውስኖ እንታይ እዩ፧ ካብ ወረቐት ዕድመ ናብ መጽሔታት ንምስግጋር እንታይ ክትብል ትኽእል፧ እቲ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ፡ ሕቶን ጥቕስን ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣቀራርባኻ ብኸመይ ከተሕጽሮ ትኽእል፧ ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ምስ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2013 ተጠቐም። ምይይጥ። ነቲ ኣብ ገጽ 3-4 ዚርከብ ጥቕሲ ዓመትን ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዚርከብ፡ “ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብኸመይ ከም እንጥቀመላ” ዘርእስቱ ኽፋልን ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ብዛዕባ እቲ ጥቕሲ ዕለት ንምምርማር ዝመደብዎ ግዜን ዝረኸብዎ ጥቕምን ንኺገልጹ ዓድሞም። ኣብ መደምደምታ ንዅላቶም ጥቕሲ ዕለት መዓልቲ መዓልቲ ኼንብቡ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 20ን ጸሎትን