መደብ 14 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
14 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 32ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 28 ¶1-12 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 1-4–ቈሎሴ 1-4 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ፊልጲ 3:17–4:9 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ እታ እተኸልከለት ፍረ፡ ዘይተኣዛዝነት ደኣ እምበር ጾታዊ ርክብ ኣይነበረትን—td 3ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ጸሎት ንፈተናታት ንኽንቃለሶ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ሉቃ. 11:9-13፣ ያእ. 1:5 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ ዓለምለኻዊ ሓድነትና ንየሆዋ የኽብሮ። ኣብታ እተወደበ እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 165፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳብ እታ ኣብ ገጽ 168 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ገለ ኻብቶም ሰማዕቲ፡ ሓድነትናን ፍቕርናን ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ከም ዝሓገዘ ዚገልጽ ኣብ ጽሑፍ ዝወጸ ተመክሮታት ከም ዜዘንትዉ ግበር።
15 ደቒቕ፦ “ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ኣብ ሕዳር ክትዕደል እያ።” ሕቶታትን መልስታትን። ንዅሎም ኣስፋሕቲ ሓሓንቲ ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ከም እትዕደል ግበር። ክሊ እታ ጉባኤ ንምሽፋን እንታይ ምድላዋት ኪግበር ከም እተሓስበ ምእንቲ ኺገልጽ፡ ንሓላው ኣገልግሎት ዓድሞ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ እታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 53ን ጸሎትን