መደብ 21 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
21 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 33ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 28 ¶13-22 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ተሰሎንቄ 1-5–2 ተሰሎንቄ 1-3 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ተሰሎንቄ 2:9-20 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ካብቲ ሰሎሞን ዝፈጸሞ ጽቡቕ ዀነ ሕማቕ ተግባር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧—ሮሜ 15:4 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምሕጣእ—ማቴ. 12:32፣ ማር. 3:28, 29 td 3መ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ማርቆስ 1:40-42፡ ማርቆስ 7:32-35፡ ከምኡውን ሉቃስ 8:43-48 ይነበባ። እቲ ጸብጻብ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
15 ደቒቕ፦ “ንወብ ሳይትና ተጠቒምካ ንደቅኻ ምሃሮም።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ነቲ “Parents’ Guide” (“ንወለዲ ዚኸውን መምርሒ”) ኣበይ ኪረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ሓብር፣ ንሓደ ኻብቲ ኣብኡ ዘሎ መምርሒ ድማ ከም ኣብነት ጥቐስ። ንሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ስድራ ቤታት ነቲ ወግዓዊ ወብ ሳይትና ንኣምልኾ ስድራ ቤት ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኸም እተጠቕማሉ ምእንቲ ኺገልጻ፡ ዓድመን።
መዝሙር 41ን ጸሎትን