ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት፡ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 9,649 በጺሑ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ናይ 2.3 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። 498 እውን ተጠሚቖም። ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ብ12 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ፣ ካብ መስከረም ኣትሒዞም ድማ 181 ሓደስቲ ስሩዓት ፈለምቲ ኣገልግሎቶም ጀሚሮም እዮም። ዕስራን ክልተን ኣስፋሕቲ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዚንኣድ እዩ። ቍጽሪ እተበርከተ ብሮሹራትን መጽሔታትን እውን ብ42 ሚእታዊትን ብ11 ሚእታዊትን ወሲኹ እዩ። ሓደስቲ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኪርከቡ ኸኣ ተስፋ ንገብር።