ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/14 ገጽ 4
  • ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 11/14 ገጽ 4

ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ

ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ብግህዶ ዚግበር ፍሉይ ምስክርነት፡ ብ10 ሚያዝያ 2014 ተጀሚሩ፣ ካብ ዚጅመር ንነጀው ድማ፡ ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለየ ቦታታት ኣዲስ ኣበባን ኣብታ ኻብ ወደብ ኣቝሑት ዚኣትወላ ሞጆን ኣብ ኣዳማን ዓብዪ ምስክርነት ይውሃብ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ፡ 10,097 መጽሓፍን 8,196 መጽሔትን 4,824 ብሮሹርን 1,191 ትራክትን ተዓዲሉ ኣሎ። ነዚ መዳይ ምስክርነት እዚ ናብ ካልኦት ቦታታት ንምስፋሕ ድማ መደባት ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቦታታት ዜገልግሉ 160 ፈለምቲ ኣለዉ። እቲ እቶም ፈለምቲ ዜርእይዎ ዘለዉ መንፈስ፡ ዜተባብዕን ዚነኣድን እዩ። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ፡ ኣብ መደባት ስራሖምን ኣብ ውልቃዊ ዅነታቶምን ምትዕርራይ ገይሮም እዮም። ብዙሓት ፈለምቲ፡ እዚ መዳይ ምስክርነት እዚ፡ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኸም ዝሓገዞም ገሊጾም እዮም፣ ንየሆዋን ንውድቡን ኪውክሉ ብምኽኣሎም ከኣ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም። እቶም ጽሑፋትና እተቐበሉ ድማ፡ ሞሳኦም ገሊጾምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሎም ድሌቶም ገሊጾምን እዮም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኣብዚ መዳይ ምስክርነት እዚ ምእንቲ ኺካፈሉ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ኪዀኑ ወሲኖም እዮም።

የሆዋ ነዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ይባርኾ ኸም ዘሎ ንጹር እዩ፣ ጽቡቕ ውጽኢት ከኣ ንርኢ ኣለና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ