ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 መስከረም ገጽ 3
  • ‘ብሕጊ የሆዋ ተመላለስ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብሕጊ የሆዋ ተመላለስ’
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቃል የሆዋ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ቃል ኣምላኽ ንመገድኻ ብርሃን ከም ዚኸውን ግበሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እተፍቅሮ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 መስከረም ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 119

‘ብሕጊ የሆዋ ተመላለስ’

ብሕጊ የሆዋ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ፡ ንመለኮታዊ መምርሒ ፍቓደኛታት ኴንና ኸም እንግዛእ ምርኣይ ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ሕጊ የሆዋ ዝሰዓቡን ኣብኡ እተወከሉን ሓያሎ ሰናይ ኣብነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና።

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር በትሪ ሒዙ ይኸይድ

ናይ ሓቂ ሓጐስ እንረክብ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንመላለስ እንተ ዄንና ጥራይ እዩ

119:1-8

እያሱ ጥቕላል የንብብ

እያሱ ንመምርሒ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚተኣማመነሉ ኣርኣየ። ሕጉስን ዕዉትን ንምዃን ብምሉእ ልብኻ ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዜድሊ ይፈልጥ ነበረ

ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ንምስጋር ዜድልየና ትብዓት ይህበና

119:33-40

ኤርምያስ ይጽሊ

ኤርምያስ ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠሞ እውን እንተ ዀነ፡ ትብዓት ከም ዘለዎን ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከልን ኣርኣየ። ናብራኡ ቐሊል ብምግባር ድማ ኣብ ዕዮኡ ጸኒዑ ኪቕጽል ወሰነ

ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምጥራይና፡ ብትብዓት ክንሰብኽ ምትእምማን የሕድረልና

119:41-48

ጳውሎስ ንፌሊክስ እቲ ሹም ይሰብከሉ

ጳውሎስ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ምንጋር ኣየፍርሆን እዩ ነይሩ። ንፌሊክስ እቲ ሹም ብትብዓት ኪሰብከሉ ኸሎ፡ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዘይፍለዮ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመን ነበረ

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር በትሪ ሒዙ ይኸይድ

ንኻልኦት ኣብ ዝሰብከሉ እዋን ዝያዳ ምትእምማን ኬርኢ ዚኽእል ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እየ፧

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ

  • ኣብ ስራሕ

  • ኣብ ስድራ ቤት

  • ኣብ ካልእ

መዝሙር 119 ብተርታ ፊደል እያ ተጻሒፋ። እዚ ድማ ብቐሊሉ ንምዝካር ዚሕግዝ እዩ። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ 22 ቤት ዝሓዘት ኰይና፡ ሓንቲ ቤት 8 ፍቕዲ ኣለዋ። ናይ ሓንቲ ፍቕዲ ድማ፡ ብሕደ ፊደል እብራይስጢ እዩ ዚጅምር። ፊደላት እብራይስጢ 22 ፊደል ስለ ዘለዎ፡ እዛ መዝሙር እዚኣ 176 ፍቕዲ ዝሓዘት እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘሎ መዝሙራት ድማ እታ ዝዓበየት እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ