ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 135-141
ድንቅታት ኴንና ኢና ተፈጢርና
ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት እተንጸባረቐ ሰናይ ባህርያት ኣምላኽ ኣስተንተነ። ብምትእምማን ድማ ህይወቱ ንየሆዋ ንምግልጋል ተጠቕመሉ።
ዳዊት ብዛዕባ ፍጥረት ኣዕሚቑ ምሕሳቡ፡ ንየሆዋ ኺውድሶ ደረኾ፦
“መስተንክርን ድንቅን ኰይነ ተፈጢረ እየ እሞ ኽውድሰካ እየ”
“ብምስጢር ምስ ተገበርኩ፡ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡ ኣዕጽምተይ ካባኻ ኣይተሓብኣን”
“ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ . . . ኵሉ እቲ ኣካላት . . . ኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ”