ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ለካቲት ገጽ 3
  • ክርስቶስ ምእንታና መከራ ጸገበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስቶስ ምእንታና መከራ ጸገበ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ባርያ የሆዋ፡ “ብሰሪ ገበንና ቘሰለ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ለካቲት ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኢሳይያስ 52-57

ክርስቶስ ምእንታና መከራ ጸገበ

“ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን . . . ንሕና ግና ብመዓት ከም እተወቕዐ፡ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን መከራ ኸም ዝጸገበን ቈጺርናዮ”

53:3-5

  • የሱስ ተናዒቑን ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ጌርካ ተኸሲሱን። ገሊኦም፡ ኣምላኽ ብዜፈንፍን ሕማም ከም ዝወቕዖ ወይ ከም ዝቐጽዖ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ

    የሱስ መከራ ኺጸግብ ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ፡ እሙን ንምዃን ቈሪጹ ነበረ

“የሆዋ ግና ኺጭፍልቖ ፍቓዱ ነይሩ . . . ብእኡ እውን ደስታ የሆዋ ኺሰልጥ እዩ”

53:10

  • የሆዋ፡ ወዱ ኺመውት ኪርኢ ኸሎ ኸም እተሳቐየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ በቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍጹም ተኣማንነት ተሓጒሱ እዩ። ሞት የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ንተኣማንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚምልከት ብድሆ መልሲ ሂቡሉ፡ ንእተነስሑ ደቂ ሰብ ድማ ረብሓ ኣምጺኡሎም እዩ። እዚ ኸኣ “ፍቓድ የሆዋ” ኸም ዚፍጸም ገበረ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ