ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ለካቲት ገጽ 6
  • ብተስፋኻ ተሓጐስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብተስፋኻ ተሓጐስ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንክርስትያናዊት ተስፋኻ ወትሩ ኣደልድላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብየሆዋ ተስፋ ግበር: ተባዕ ድማ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ናይ ሓቂ ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧
    ንቕሑ!—2004
  • ዘይተሕፍር ተስፋ ትሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ለካቲት ገጽ 6
ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይለማመዱ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብተስፋኻ ተሓጐስ

ተስፋ ልክዕ ከም መልህቕ እያ። (እብ 6:19) ከም ሓያል ማዕበል ባሕሪ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ኣብ ዜጋጥመና እዋን ድማ፡ መንፈሳዊት መርከብና ኸይትስበር ትሕግዘና። (1ጢሞ 1:18, 19) እቲ ብሓያል ማዕበል ባሕሪ እተመሰለ ሓደጋታት፡ ከም እኒ እንፍጽሞ ጌጋታት፡ ዕንወት ንብረት፡ ሕዱር ሕማም፡ ሞት እነፍቅሮ ሰብ፡ ወይ ድማ ንንጽህናና ዚፍትን ካልእ ነገራት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።

እምነትን ተስፋን ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ዓስቢ ብንጹር ክንርእዮ የኽእላና። (2ቈረ 4:16-18፣ እብ 11:13, 26, 27) ስለዚ፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ተስፋ ብምስትንታን ኣዘውቲርና ኽንምገብ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ብፈተናታት ኣብ እንጭነቐሉ እዋን፡ ብቐሊሉ ሓጐስና ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና። —1ጴጥ 1:6, 7።

ነታ ብተስፋ ተሓጐሱ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሙሴ ኽንመስሎ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ርእስታት ስድራ ቤት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

  • ንንጥፈታት ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን እንታይ ርእሰ ነገራት ኣብ ግምት ከተእቱ ትኽእል፧

  • ንዜጋጥመካ ፈተናታት ብምትእምማን ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ፡ ተስፋ ኽትሕግዘካ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

  • ኣብ መጻኢ እንታይ ክትርኢ ኢኻ እትህንጠ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ