ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 3 ገጽ 4-5
  • እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይሓልየልና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይሓልየልና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1. ፈጣሪና ጸሓይ የብርቕ
  • 2. ፈጣሪና ዝናም የዝንም
  • 3. ፈጣሪና ምግብን ክዳንን ይህብ
  • ንዝናም ኣመስግነሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ፈጣሪኻ —ከመይ ከም ዝመስል ፍለጥ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 3 ገጽ 4-5
ባና ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይርአ።

እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይሓልየልና

1. ፈጣሪና ጸሓይ የብርቕ

ህይወት ኣብ ምድሪ ብዘይ ናይ ጸሓይ ብርሃን እንታይ ከም ዚመስል ክትግምት ትኽእልዶ፧ ኣእዋም ኪጥጥዕን ኪዕምብብን ኪፈርን ዚኽእል፡ ጸሓይ ብእትህቦ ሓይሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብሰራውር ኣቢሉ ኻብ መሬት ማይ ከም ዚስሓብን ናብ ኣቝጽልቲ ኸም ዚበጽሕን ናብ ኣየር ከም ዚሃፍፍን እትገብር ጸሓይ እያ።

ኣብ ላዕሊ ዄንካ ዚርአ፡ ኣብ ከረን ዘሎ ልሙዕ ሕርሻ ቘጽሊ ሻሂ።

2. ፈጣሪና ዝናም የዝንም

ዝናም ንምድርና እንምገቦ ምግቢ ኸተፍሪ ዚገብራ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ብምሃብ ብምግቢ እናጽገበ ንልብና ብሓጐስ ይመልኦ እዩ።

ሓንቲ ዑፍ ኣብ ጨንፈር ኰይና ንሓንቲ እትወድቕ ዘላ ፍረ ኽትቈልብ ትመጣጠር።

3. ፈጣሪና ምግብን ክዳንን ይህብ

ሓያሎ ሰብኣውያን ኣቦታት ንስድራ ቤቶም ዚኸውን እኹል ምግብን ክዳንን ብዛዕባ ምርካብ ይጭነቑ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል፦ “ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧”—ማቴዎስ 6:25, 26።

“ካብቲ ዕምባባታት መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ . . . ኣነ ግና፡ [ንጉስ] ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ . . . ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ . . . ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧”—ማቴዎስ 6:28-30።

ኣምላኽ ምግብን ክዳንን ኪህበና ዚኽእል ካብ ኰነ፡ ንህይወት ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ክንረክብ ከም ዚሕግዘና እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ንጽዕር እንተ ዀይና፡ ነቲ እኽሊ ንምብቋል ወይ ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኽንዕድግ ስራሕ ክንረክብ እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ እዩ።—ማቴዎስ 6:32, 33።

እምበኣር፡ ብዛዕባ ጸሓይን ዝናብን ኣዕዋፍን ዕንባባታትን ክንምርምር ከለና፡ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዜኽእለና እኹል ምኽንያት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ፈጣሪና ንደቂ ሰብ ብኸመይ ሓሳባቱ ኸም ዝገለጸሎም ከተብርህ እያ።

ፈጣሪና “ጸሓዩ የብርቕ፡ . . . ዝናም የዝንም እዩ።”—ማቴዎስ 5:45

ፈጣሪና ኣዝዩ የፍቅረናን ይሓልየልና እዩ። ልክዕ ከምቲ ንስድራ ቤቱ ዝሓሊ ፈቃር ኣቦ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምላኽ ‘ገና ኸይለመንናዮ ዜድልየና ዚፈልጥ’ ለጋስ ወሃቢ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ።—ማቴዎስ 6:8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ