ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ለካቲት ገጽ 7
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣጠቓቕማ ሕቶታት
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ብዓሚቝ ምስትውዓልን ናይ ምርዳእ ክእለትን ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ለካቲት ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ “ሓሳባት ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት” ስለ ዝዀነ፡ ከም ብመገለል፡ ብሕቶታት ኣቢልና ሓሳባት ልቢ ሰብ ከነውጽእ ንኽእል ኢና። (ምሳ 20:5) ሕቶታት ንሰማዕትና ኸነሳትፍ ይሕግዘና እዩ። ብዚግባእ ንእተመርጸ ሕቶታት ዚውሃብ መልስታት፡ ተመሊሱ ነቲ መምህር ጠቓሚ ሓበሬታ ኺህቦ ይኽእል እዩ። የሱስ ንሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

የሱስ ንሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ይሓትቶ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ርእይቶኡ ኺገልጽ ዚዕድም ሕቶታት ሕተት። የሱስ ንኣረኣእያ ደቀ መዛሙርቱ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ተኸታታሊ ሕቶታት ሓቲቱ እዩ። (ማቴ 16:13-16፣ be 238 ¶2-4) ንሓደ ሰብ፡ ርእይቶኡ ኺገልጽ ዚዕድም እንታይ ዓይነት ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትቶ እትኽእል፧

  • ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ዚመርሕ ሕቶታት ሕተት። የሱስ ንኣረኣእያ ጴጥሮስ ምእንቲ ኼዐሪ፡ ንጴጥሮስ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ዚሕግዞ ሕቶታት ሓቲትዎን ምላሽ ኪኸውን ዚኽእል ሓሳባት ነጊርዎን እዩ። (ማቴ 17:24-26) ንሓደ ሰብ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ዚመርሖ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትቶ እትኽእል፧

  • ንሰማዒኻ ነኣዶ። ሓደ ጸሓፊ፡ ‘ብምስትውዓል ምስ መለሰ፡’ የሱስ ንኢድዎ እዩ። (ማር 12:34) ሓደ ሰብ ንዝሓተትካዮ ሕቶ ምላሽ ምስ ሃበ ኽትንእዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣኽብሮት ኣርኢ። ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ስልጣን የብልናን። ስለዚ፡ ብፍላይ ብዕድመ ንዝደፍኡን ንዘይንፈልጦምን ስልጣን ንዘለዎምን ሰባት ከነኽብሮም ኣሎና።—1ጴጥ 2:17።

ንቐዳማይ ክፋል እታ ግብሪ የሱስ ግበር—ምሃር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብዚ ኽፋል እዚ ዝቐረበ ሓበሬታ ቕኑዕ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣመሃህራ ግና ውጽኢታዊ ኣመሃህራ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ነቲ ሓበሬታ ምግላጽ ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

ንኻልኣይ ክፋል እታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቲ ሓውና ውጽኢታዊ ሕቶታት ዝሓተተ ብኸመይ እዩ፧

  • ካልእ ክንቀድሖ እንኽእል ሜላታት ኣመሃህራኡ እንታይ እዩ፧

ሓደ ሰብኣይ ሕማቕ ብምሕሳቡ ብጭንቀት ይውሓጥ፣ ሓደ ሰብኣይ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብምሕሳቡ ሓቂ ብንጹር ይርኣዮ

ሜላ ኣመሃህራና ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧ (ሉቃ 24:32)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ