መጽናዕቲ 3
ኣጠቓቕማ ሕቶታት
ማቴዎስ 16:13-16
ጽማቝ ሓሳባት፦ ተገዳስነት ንምልዕዓልን ተገዳስነት ሒዝካ ንምጽናሕን ሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ንምግባርን ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕን ብሜላ ሕቶታት ሕተት።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ተገዳስነት ኣለዓዕልን ተገዳስነት ሒዝካ ጽናሕን። ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ዚገብሮም ወይ ንምፍላጥ ህንጥዮት ዜሕድረሎም ብልቦም ምላሽ ዚህቡሉ ሕቶታት ሕተቶም።
ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ከም ዚሓስቡ ግበሮም። ሰማዕትኻ ናብ ርትዓዊ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ነቲ እተቕርቦ መጐተ ኺከታተሉ ዚሕግዞም ተኸታታሊ ሕቶታት ሕተቶም።
ኣገዳሲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ቀንዲ ሓሳባት ምእንቲ ኸተላሊ፡ መሳጢ ሕቶ ሕተት። ኣገዳሲ ነጥቢ ድሕሪ ምግላጽካ ወይ እተቕርቦ መልእኽቲ ኽትድምድም ከለኻ፡ ሕቶታት ክለሳ ሕተት።