ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 13 ገጽ 16
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውጽኢታዊ መእተዊ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 13 ገጽ 16

መጽናዕቲ 13

ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ምሳሌ 3:21

ጽማቝ ሓሳባት፦ እቲ ርእሰ ነገር ንሰማዕትኻ ኸመይ ገይሩ ንህይወቶም ከም ዚጸልዎ ኣረድኣዮም፣ በቲ እተማህርዎ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ድማ ኣርእዮም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። ሰማዕትኻ ነቲ እተካፍሎም ዘለኻ ሓበሬታ ስለምንታይ ኪሰምዕዎ ኸም ዜድልዮም ኣስተንትን፣ እንታይ መዳይ እቲ ጕዳይ ብፍላይ ከም ዚጠቕሞም እውን ሕሰብ።

  • ኣብ ብምሉኡ ትምህርትኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ሓብሮም። ነፍሲ ወከፍ ሰማዒ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ‘እዚ ይምልከተኒ እዩ’ ኢሉ ኺሓስብ ኣለዎ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት በብሓደ ኸተማዕብሎ ኸለኻ፡ ብኸመይ ግብራዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣርኢ። ነቲ ነጥብታት ብድብድቡ ኣይተቕርቦ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ፍቕርን ድንጋጽን ብዜንጸባርቕ መገዲ ኣወዓዕላ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግለጽ። በደለኛነት ከም ዚስምዖም ኣብ ክንዲ እትገብር፡ ልቦም ቅኑዕ ንምግባር ከም ዚድርኾም ብምትእምማን፡ ንፍቕሮምን ንእምነቶምን ኣደልድል።

ኣብ ኣገልግሎት

ንስብከት ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዜና ዚውረ ዘሎ ነገራትን ኣብ ክልኻ ንዚርከቡ ሰባት ዜገድሶም ጕዳያትን ሕሰብ። ዘረባኻ ኣብቲ ንሰባት ሕጂ ዜተሓሳስቦም ዘሎ ነገር ከም ዜተኵር ግበሮ። እቲ እተዛራርቦ ሰብ ዜተሓሳስቦን ዜገድሶን ነገራት ምእንቲ ኺገልጽ፡ ብሜላ ሕቶታት ሕተቶ። ድሕሪኡ፡ ምላሹ ሰሚዕካ፡ ኣብኡ ተመርኲስካ ምሃር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ