መጽናዕቲ 1
ውጽኢታዊ መእተዊ
ግብሪ ሃዋርያት 17:22
ጽማቝ ሓሳባት፦ መእተዊኻ ተገዳስነት ኬለዓዕል፡ ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኬላሊ፡ ንሰማዕትኻ ስለምንታይ ኬገድሶም ከም ዚግባእ ኬርኢ ኣለዎ።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ተገዳስነት ኣለዓዕል። ንሰማዕትኻ ዜገድሶም ሕቶ፡ ምሉእ ሓሳብ፡ ናይ ሓቂ ተመክሮ፡ ወይ ዜና ምረጽ።
ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኣላሊ። ኣብ መእተዊኻ፡ እቲ እትዛረበሉ ርእሰ ነገርን ዕላማ እቲ ዘረባኻን ንሰማዕትኻ ንጹር ከም ዚዀነሎም ግበር።
እቲ ርእሰ ነገር ስለምንታይ ከም ዜገድስ ኣርኢ። እቲ እትዛረቦ ነገር ምስቲ ንሰማዕትኻ ዜድልዮም ግብራዊ ነገራት ኣሳንዮ። እቲ ርእሰ ነገር ብብሕቲ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ብንጹር ኪርድኡ ኣለዎም።