ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 1 ገጽ 4
  • ውጽኢታዊ መእተዊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውጽኢታዊ መእተዊ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 1 ገጽ 4

መጽናዕቲ 1

ውጽኢታዊ መእተዊ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ግብሪ ሃዋርያት 17:22

ጽማቝ ሓሳባት፦ መእተዊኻ ተገዳስነት ኬለዓዕል፡ ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኬላሊ፡ ንሰማዕትኻ ስለምንታይ ኬገድሶም ከም ዚግባእ ኬርኢ ኣለዎ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ተገዳስነት ኣለዓዕል። ንሰማዕትኻ ዜገድሶም ሕቶ፡ ምሉእ ሓሳብ፡ ናይ ሓቂ ተመክሮ፡ ወይ ዜና ምረጽ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ኣቐዲምካ ንሰማዕትኻ ዜገድሶምን ዜተሓሳስቦምን ነገር ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ፡ ንመእተዊኻ ድማ ምስኡ ኣዋድዶ።

  • ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኣላሊ። ኣብ መእተዊኻ፡ እቲ እትዛረበሉ ርእሰ ነገርን ዕላማ እቲ ዘረባኻን ንሰማዕትኻ ንጹር ከም ዚዀነሎም ግበር።

  • እቲ ርእሰ ነገር ስለምንታይ ከም ዜገድስ ኣርኢ። እቲ እትዛረቦ ነገር ምስቲ ንሰማዕትኻ ዜድልዮም ግብራዊ ነገራት ኣሳንዮ። እቲ ርእሰ ነገር ብብሕቲ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ብንጹር ኪርድኡ ኣለዎም።

    ግብራዊ ምኽሪ

    መደረ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ‘ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ ኵነታት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ድሕሪኡ፡ ንመእተዊኻ ምስቲ ንዓታቶም ዜድልዮም ሓሳብ ከም ዚሳነ ግበሮ።

ኣብ ኣገልግሎት

ንሰብ ዜገድሶ ነገር ንምፍላጥ፡ ንጥፈታቱ ወይ ከባቢኡ ተዓዘብ። ሕቶ ብምሕታት ወይ ብዛዕባ እቲ እተዓዘብካዮ ሓጺር ሓሳብ ብምሃብ ዝርርብ ጀምር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ