ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 መጋቢት ገጽ 6
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 4ይ ክፋል:- ንተመሃሮ ኣቐዲሞም ኪዳለዉ ምልምማዶም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ኣብ ጉባኤ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 መጋቢት ገጽ 6

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚዳለዉ፡ ነቲ እንምህሮም ብቐሊሉ ኺርድእዎን ኪዝክርዎን ይኽእሉ እዮም። ብዝያዳ እናተረድኦምን እናዘከሩን ብዝኸዱ መጠን ድማ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ይገብሩ። ምስ ተጠምቁ እውን ከይተረፈ፡ ‘ንቑሓት’ ምእንቲ ኪዀኑ ንኣኼባታትን ንኣገልግሎትን ኪዳለዉ የድልዮም እዩ። (ማቴ 25:13) ስለዚ፡ ብኸመይ ከም ዜጽንዑ ምፍላጥን ጽቡቕ ልማድ መጽናዕትን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኪጠቕሞም እዩ። ካብ ፈለማ ኣትሒዝና፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምድላው ልማድ ኬማዕብሉ ኽንሕግዞም ኣሎና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብረሉ ተምሃራዩ እናሓሰብ ይዳሎ

    ሰናይ ኣብነት ኩን። (ሮሜ 2:21) ኣብ ኵሉ እቲ መጽናዕቲ ነቲ ተምሃራይ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ተዳሎ። (km 11/15 3) ነቲ ኽትዳሎ ኸለኻ ዘስመርካዮ ሕታም ኣርእዮ

  • ሓደ ሓው ነቲ እተዳለወሉ ጽሑፍ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃራዩ የርእዮ

    ኪዳሎ ኣተባብዓዮ። እቲ መጽናዕቲ ብስሩዕ ምስ ተጀመረ፡ ንመጽናዕቲ ምድላው ሓደ ኽፋል እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እንገብሮ መሰናድዎ ኸም ዝዀነ ኺፈልጥ ሓግዞ፣ ዘለዎ ረብሓ ድማ ግለጸሉ። ንምድላው ዚኸውን ግዜ ብኸመይ ከም ዚዕድግ ግብራዊ ዝዀነ ሓሳባት ኣካፍሎ። ገሊኦም መምህራን፡ ኣብ እዋን መጽናዕቲ እቲ ተምሃራይ ምእንቲ ኺጥቀም ነቲ ኺዳለዉ ኸለዉ ዘስመርዎ ሕታም ኪጥቀመሉ ይፈቕዱሉ እዮም። ተዳልዩ ኺመጽእ ከሎ ድማ ነኣዶ

  • ብኸመይ ኪዳሎ ኸም ዚኽእል ኣርእዮ። ኣብ ናይ ፈለማ መጽናዕቲ፡ ገሊኦም መምህራን ንብምሉኡ እቲ ናይ መጽናዕቲ እዋን ነቲ ተምሃራይ ብኸመይ ኪዳሎ ኸም ዘለዎ ንምርኣይ ይጥቀሙሉ እዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ