ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr18 ነሓሰ ገጽ 1-7
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ነሓሰ 2018

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ነሓሰ 2018
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 6-12 ነሓሰ
  • 13-19 ነሓሰ
  • 20-26 ነሓሰ
  • 27 ነሓሰ–2 መስከረም
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
mwbr18 ነሓሰ ገጽ 1-7

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ነሓሰ 2018

6-12 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 17-18

“ኣመስጋኒ ኹን”

(ሉቃስ 17:11-14) ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ። 12 ናብ ሓንቲ ቝሸት ኪኣቱ ኸሎ ኸኣ፡ ዓሰርተ ድዉያት ተጓነፍዎ፣ ግናኸ፡ ኣብ ርሑቕ ደው በሉ። 13 ድምጾም ዓው ኣቢሎም ከኣ፡ “ኦ የሱስ፡ መምህር፡ ምሓረና!” በሉ። 14 ንሱ ምስ ረኣዮም ድማ፡ “ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ነጽሁ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 17:12, 14

ዓሰርተ ድዉያት፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድዉያት ብሓደ ዀይኖም በብጕጅለ ይነብሩ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ የኽእሎም ነይሩ። (2ነገ 7:3-5) ሕጊ ኣምላኽ፡ ድዉያት ንበይኖም ኪቕመጡ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ሓደ ድዉይ፡ “ርኹስ፡ ርኹስ!” ኢሉ ብምጭዳር እውን ንኻልኦት ኣብቲ ኸባቢ ኸም ዘሎ ይሕብር ነይሩ እዩ። (ዘሌ 13:45, 46) እቶም ድዉያት ንሕጊ ኣምላኽ ብምሕላው፡ ካብ የሱስ ኣብ ርሑቕ ደው በሉ።—ኣብ ማቴ 8:2 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕትን ኣብ ማህደረ ቓላት “ደዌ፣ ድዉይ” ዚብልን ርአ።

ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፦ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብምንባሩ፡ ክህነት ኣሮን ይዓዪ ኸም ዝነበረ ኣፍልጦ ሂቡን ነቶም ዘሕወዮም ድዉያት ናብ ካህናት ኪኸዱ ኣዚዙን እዩ። (ማቴ 8:4፣ ማር 1:44) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ካህን እዩ ሓደ ድዉይ ከም ዝሓወየ ዜረጋግጽ ነይሩ። እቲ ዝሓወየ ድዉይ ከኣ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከይዱ ኽልተ ህያዋን ዝዀና ንጹሃት ኣዕዋፍን ዕንጨይቲ ቄድሮስን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሃዛብን ከም መስዋእቲ ወይ መባእ የቕርብ ነይሩ።—ዘሌ 14:2-32።

(ሉቃስ 17:15, 16) ሓደ ኻባታቶም ድማ፡ ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ተመልሰ። 16 እናኣመስገኖ ኸኣ ብገጹ ኣብ እግሪ የሱስ ተደፍአ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ ነይሩ።

(ሉቃስ 17:17, 18) የሱስ ድማ፡ “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ 18 ብዘይካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧” ኢሉ መለሰ።

w08 1/8 14-15 ¶8-9

መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ እቶም ካልኦት ምስጋናኦም ዘይምግላጾም ዕሽሽ ኢልዎዶ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “የሱስ ግና፤ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ።”—ሉቃስ 17:17, 18።

እቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ለምጻማት ክፉኣት ኣይነበሩን። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ የሱስ ዝነበሮም እምነት ብግልጺ ኣርእዮምን ነቲ ናብ የሩሳሌም ተጓዒዞም ርእሶም ንኻህናት ንኼርእዩ እተዋህቦም መምርሒ ብፍታው ተኣዚዞምን እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ የሱስ ዝገበረሎም ሕያውነት ብውሽጦም ዓሚቝ ሞሳ እኳ እንተ ነበሮም፡ ሞሳኦም ግን ኣይገለጽሉን። እቲ ተግባሮም ንክርስቶስ ኣጕሃዮ። ንሕናኸ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ነገር ኪገብረልና ኸሎ፡ አመስግነካ ንምባልን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ናይ ምስጋና ካርድ ንምልኣኽን ቅልጡፋት ዲና፧

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ሉቃስ 17:7-10) “ካባኻትኩምከ ዚሓርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ፡ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ‘ቀልጢፍካ ንዓ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጥ’ ዚብሎ መን ኣሎ፧ 8 የግዳስ፡ ‘ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፣ ድሕሪኡ ኽትበልዕን ክትሰትን ትኽእል ኢኻ’ ደይኰነን ዚብሎ፧ 9 እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ፡ ነቲ ባርያ የመስግኖዶ፧ 10 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፡ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና። እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ጌርና’ በሉ።”

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 17:10

ዘይንጠቅም፦ እቲ የሱስ በዚ ምሳሌ እዚ ኣቢሉ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ትምህርቲ፡ እቶም ባሮት፡ ማለት እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንርእሶም ከም ዘይጠቕሙን ዘይረብሑን ገይሮም ኪርእይዋ ኣይኰነን። ብመሰረት እቲ ሓፈሻዊ ሓሳባት፡ እታ “ዘይንጠቅም” እትብል ቃል፡ እቶም ባሮት ትሕትና ኼርእዩ ደኣ እምበር፡ ፍሉይ ክብሪ ወይ ምስጋና ኸም ዚግብኦም ገይሮም ኪሓስቡ ኸም ዘይብሎም እያ እትገልጽ። ገሊኦም ምሁራት እታ ኣብዚ ተዓይዩላ ዘላ ቓል፡ “ንሕና ፍሉይ ኣቓልቦ ኺግበረልና ዘይግብኣና ባሮት ኢና” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ናይ ኣጋንኖ መግለጺ ኸም ዝዀነት ይገልጹ እዮም።

(ሉቃስ 18:8) እብለኩም ኣለኹ፡ ቀልጢፉ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ወዲ ሰብ ምስ መጸ ግና፡ ነዛ እምነት እዚኣ ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረኽባ እዩ፧” በለ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 18:8

ነዛ እምነት እዚኣ፦ ወይ፡ “ከምዚኣ ዓይነት እምነት።” ቃ.ቃ፡ “ነዛ እምነት።” ቅድሚ እታ “እምነት” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ውሱን ኣመልካቲ ኣትዩ ምህላዉ፡ የሱስ ንእምነት ብሓፈሻ ዘይኰነስ፡ ነታ ኣብታ ምሳሌኡ ዝጠቐሳ መበለት ዘርኣየታ ፍልይቲ ዓይነት እምነት የመልክት ከም ዝነበረ የርኢ። (ሉቃ 18:1-8) እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሓይሊ ጸሎት እምነት ምሕዳርን ኣምላኽ ንሕሩያቱ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም ምእማንን የጠቓልል። የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ዓይነት እምነት ከም ዘላቶም ምእንቲ ኺሓስቡ ኢሉ፡ ነቲ ንእምነት ዚምልከት ሕቶ ምላሽ ከይሃበሉ ሓለፈ። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ዘጋጥሞም ፈተና ገሊጹ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ብዛዕባ ጸሎትን እምነትን ዝሃቦ ምሳሌ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።—ሉቃ 17:22-37።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 18:24-43) የሱስ ድማ ጠሚትዎ፡ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉስ፡ ክንደይ ጭንቂ እዩ ዚዀኖም! 25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በለ። 26 እቶም ነዚ ዝሰምዑ ኸኣ፡ “መን ደኣ ኺድሕን ይኽእል፧” በሉ። 27 ንሱ ድማ፡ “እቲ ብሰባት ዘይከኣል፡ ብኣምላኽ ይከኣል እዩ” በለ። 28 ጴጥሮስ ከኣ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዘሎና ሓዲግና ስዒብናካ” በሎ። 29 ንሱ ኸኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ውሉዳት ዝሓደገ ዘበለ፡ 30 ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም። 31 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ብነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። 32 ንኣብነት፡ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ኪገፍዕዎ፡ ጡፍ እውን ኪብሉሉ እዮም። 33 ምስ ገረፍዎ ኸኣ፡ ኪቐትልዎ እዮም፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኪትንስእ እዩ” በሎም። 34 ንሳቶም ግና ካብዚ ሓደ እኳ ኣይተረድኡን፣ እዚ ዘረባ እዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ፡ ነቲ እተባህለ ኣይፈልጥዎን ነበሩ። 35 የሱስ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረበ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36 ህዝቢ ኺሓልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ሓተተ። 37 “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ። 38 ንሱ ኸኣ፡ “የሱስ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” ኢሉ ጨርሐ። 39 እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ድማ፡ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፣ ንሱ ግና፡ “ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” እናበለ ኣዝዩ ጨርሐ። 40 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ፡ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ 41 “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ፧” ኢሉ ሓተቶ። 42 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ክርኢ” በለ። የሱስ ከኣ፡ “ርአ፣ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። 43 ብቕጽበት ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ኸኣ ሰዓቦ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን፡ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።

13-19 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 19-20

“ካብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና ተምሃር”

(ሉቃስ 19:12, 13) ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13 ንዓሰርተ ኻብ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ’ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም።

jy 232 ¶2-4

ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና

“ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ” በሎም። (ሉቃስ 19:12) ከምዚ ዝበለ መገሻ፡ ግዜ ይወስድ ነይሩ እዩ። እቲ “ወዲ ዓበይቲ” ተባሂሉ ዘሎ፡ የሱስ እዩ፣ እቲ “ርሑቕ ሃገር” ድማ ሰማይ እዩ፣ ካብ ኣቦኡ ንጉሳዊ ስልጣን ኪቕበል ከኣ እዩ ናብኡ ኸይዱ።

እቲ “ወዲ ዓበይቲ” ቕድሚ ምንቃሉ ግና፡ ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ፡ “ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ” ኢሉ ንነፍሲ ወከፎም ሓሓንቲ ምና ብሩር ሃቦም። (ሉቃስ 19:13) ሓደ ምና ብሩር ክቡር እዩ ነይሩ። ሓደ ኣብ ሕርሻ ዚዓዪ ዓያዪ፡ ሓደ ምና ንምርካብ፡ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኺዓዪ ነበሮ።

የሱስ ኣቐዲሙ ንደቀ መዛሙርቱ ምስቶም እኽሊ ዚእክቡ ዓየይቲ ኣመሳሲልዎም ስለ ዝነበረ፡ ከምቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ዓሰርተ ባሮት ምዃኖም ኣስተውዒሎም ይዀኑ እዮም። (ማቴዎስ 9:35-38) ልክዕ እዩ፡ እኽሊ ኼምጽኡ ኣይሓተቶምን። ከመይሲ፡ እቲ እኽሊ ነቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቦታ ዚህልዎም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ በቲ ዘለዎም ጥሪት ተጠቒሞም፡ ዝያዳ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ኬፍርዩ ነይርዎም።

(ሉቃስ 19:16-19) እቲ ቐዳማይ ከኣ ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ’ በለ። 17 ንሱ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ! ብንእሽቶ እሙን ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 18 እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ’ እናበለ መጸ። 19 ነዚ ኸኣ፡ ‘ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ።

jy 232 ¶7

ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንርእሶም ከምቶም ነቲ ገንዘብ ጽቡቕ ገይሮም ብምጥቃም ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ዜፍርዩ ባሮት ገይሮም እንተ ሓሲቦም፡ የሱስ ብኣታቶም ከም ዚሕጐስ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኸምዚ ዝበለ ትግሃት ከኣ ዓስቢ ኸም ዚህብ እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ልክዕ እዩ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ህይወት ሕደ ኣጋጣሚ ወይ ክእለት የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ እቲ “ንግስና” እተቐበለ የሱስ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብተኣማንነት ዝገበርዎ ጻዕርታት የስተብህለሉን ይባርኾን እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20።

(ሉቃስ 19:20-24) ሓደ ኻልእ ግና ከምዚ እናበለ መጸ፦ ‘ጐይታይ፡ እዛ ኣብ ጨርቂ ሓቢአ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃትልካ። 21 ዘየንበርካዮ እትወስድ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ፈሪሀካ።’ 22 ንሱ ድማ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከም ዘረባኻ እፈርደካ ኣለኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዝወስድ፡ ዘይዘራእክዎ ኸኣ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይዶ ትፈልጥ ኔርካ፧ 23 ስለምንታይ ደኣ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ እውን መጺአ፡ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፧’ በሎ። 24 “ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ ‘እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም።

jy 233 ¶1

ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና

እቲ ባርያ እቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ መንግስቲ ጐይታኡ ብዘይምውሳኹ፡ ከሲሩ እዩ። ሃዋርያት ንየሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግስ ይጽበይዎ ነይሮም እዮም። ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ባርያ ዝበሎ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ እንተ ዘይተጊሆም፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቦታ ኸም ዘይረኽቡ ዀይኑ ተረዲእዎም ኪኸውን ኣለዎ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ሉቃስ 19:43) ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ዓሪዶም ዚኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ዜጽብቡልኪ መዓልትታት ኪመጻ እየን።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 19:43

ዕርዲ ዓሪዶም፦ ወይ፡ “ሓጹር ሓጺሮም።” እታ ካራክስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ እያ እትርከብ። “ንሓደ ኸባቢ ንምኽባብ ዜገልግል በሊሕ ዕንጨይቲ ወይ ተሸካሊ ዓንዲ” ኸምኡ ድማ “ወተሃደራት ዚተኽልዎ ዕርዲ ወይ ሓጹር” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዋ ይግለጽ እዩ። ብ70 ድ.ክ. እቶም ብቲቶስ ዚምርሑ ዝነበሩ ሮማውያን ኣብ ዙርያ የሩሳሌም መንደቕ ከበባ ምስ ሃነጹ ወይ ሓጹር ምስ ሓጸሩ፡ ቃላት የሱስ ተፈጺሙ እዩ። ቲቶስ ሰለስተ ዕላማ እዩ ነይርዎ፣ እዚ ኸኣ፡ ንኣይሁድ ካብ ምህዳም ምዕጋትን ኢዶም ንኺህቡ ምትብባዕን ነበርቲ የሩሳሌም ብጥሜት ተሳቕዮም ከም ዚምብርከኹ ምግባርን እዩ ነይሩ። ሮማውያን ወተሃደራት ነቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዕርዲ ንምዕራድ ዜድልዮም ነገራት ንምርካብ ኢሎም ነቲ ኣብ ገጠራት ይሁዳ ዝነበረ ኣእዋም ኣብሪሶምዎ እዮም።

(ሉቃስ 20:38) ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።”

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 20:38

ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፦ ወይ፡ “ብኣረኣእያኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ።” እቶም ህያዋን ዝዀኑ፡ ካብ ኣምላኽ ግና ዝረሓቑ ሰባት፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ምዉታት ከም ዝዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ኤፌ 2:1፣ 1ጢሞ 5:6) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሞገስ ኣምላኽ ረኺቦም ዝሞቱ ሰባት፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ገና ህያዋን እዮም፣ ከመይሲ፡ እቲ ኼተንስኦም ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ርግጽ እዩ።—ሮሜ 4:16, 17።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 19:11-27) ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ስለ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቕጽበት እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ካልእ ምሳሌ መሰለ። 12 ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13 ንዓሰርተ ኻብ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ’ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም። 14 ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ ‘እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም ደድሕሪኡ ልኡኻት ለኣኹ። 15 “ንግስና ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ገንዘብ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ነጊዶም ከም ዝረብሑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። 16 እቲ ቐዳማይ ከኣ ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ’ በለ። 17 ንሱ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ! ብንእሽቶ እሙን ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 18 እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ’ እናበለ መጸ። 19 ነዚ ኸኣ፡ ‘ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 20 ሓደ ኻልእ ግና ከምዚ እናበለ መጸ፦ ‘ጐይታይ፡ እዛ ኣብ ጨርቂ ሓቢአ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃትልካ። 21 ዘየንበርካዮ እትወስድ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ፈሪሀካ።’ 22 ንሱ ድማ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከም ዘረባኻ እፈርደካ ኣለኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዝወስድ፡ ዘይዘራእክዎ ኸኣ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይዶ ትፈልጥ ኔርካ፧ 23 ስለምንታይ ደኣ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ እውን መጺአ፡ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፧’ በሎ። 24 “ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ ‘እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። 25 ንሳቶም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ንሱስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ’ በልዎ።— 26 ‘እብለኩም ኣለኹ፡ ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ።27 ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደልዩ ጸላእተይ ከኣ፡ ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም።’”

20-26 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 21-22

‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’

(ሉቃስ 21:25) “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ፡ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እውን ኣህዛብ ብሰንኪ ደሃይ ባሕርን ነውጹን መዋጽኦ ብዘይምፍላጦም፡ ኪጭነቑ እዮም።

kr 226 ¶9

መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ተጥፍኦም

ሰማያዊ ተርእዮ። የሱስ፡ “ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። እወ፡ ሰባት ብርሃን ደልዮም ናብ መራሕቲ ሃይማኖት ቍሊሕ ኣይኪብሉን እዮም። ግናኸ፡ የሱስ ኣብ ሰማያት ንዚፍጸም ልዕለ ባህርያዊ ተርእዮ እውን የመልክት ነይሩ ድዩ፧ ምናልባት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 13:9-11፣ ዮኤ. 2:1, 30, 31) ሰባት ነቲ ዚርእይዎ እንታይ ምላሽ ኪህቡሉ እዮም፧ “መዋጽኦ ብዘይምፍላጦም፡ ኪጭነቑ እዮም።” (ሉቃ. 21:25፣ ጸፎ. 1:17) እወ፡ ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካብ ‘ነገስታት ክሳዕ ባሮት፡’ “ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ . . . ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ፣” ከውሊ ደልዮም እውን ኪሃድሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ቍጥዓ ንጉስና ኼምልጡሉ ዚኽእሉ መሕብኢ ኣይኪረኽቡን እዮም።—ሉቃ. 21:26፣ 23:30፣ ራእ. 6:15-17።

(ሉቃስ 21:26) ሓይልታት ሰማያት ኪናወጹ እዮም እሞ፡ ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ።

(ሉቃስ 21:27, 28) ሽዑ፡ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። 28 እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ።”

w16.01 10-11 ¶17

“ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ”!

‘ትብዑ።’ (እብራውያን 13:6 ኣንብብ።) ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ኸይንፈርህ የትብዓና። እዚ ትብዓት እዚ ድማ ብግዲኡ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ይገብር። ሕውነታዊት ፍቕሪ ምስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺትድመር ከላ ኸኣ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኽንሃንጾምን ከነጸናንዖምን ንኽእል። (1 ተሰ. 5:14, 15) ዓለም ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብዝኸፍአ ጸልማት ምስ ተዋሕጠት እኳ፡ ድሕነትና ኸም ዝቐረበ ፈሊጥና፡ ‘ቅንዕ ክንብል፡ ርእስና እውን ከነልዕል ኢና።’—ሉቃ. 21:25-28።

w15 15/7 17-18 ¶13

‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’

እቶም ብኣጣል እተመሰሉ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚጽበዮም ምስ ፈለጡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ “ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።” (ማቴ. 24:30) ኣሕዋት ክርስቶስን እቶም እሙናት ብጾቶምን ግና ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ምሉእ እምነት ስለ ዘለዎም፡ ነቲ የሱስ፡ “እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ኪሕልውዎ እዮም። (ሉቃ. 21:28) እወ፡ ድሕነትና ኸም ዝቐረበ ስለ እንፈልጥ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ሉቃስ 21:33) ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 21:33

ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፦ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማይን ምድርን ንዘለኣለም ከም ዚነብር ይሕብረና እዩ። (ዘፍ 9:16፣ መዝ 104:5፣ መክ 1:4) ስለዚ፡ የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ እቲ ዘይከኣል ነገር እኳ እንተ ዜጋጥም፡ ማለት ሰማይን ምድርን እኳ እንተ ዚሓልፍ፡ ቃሉ ኸይተፈጸመ ኸም ዘይተርፍ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ናይ ኣጋንኖ መግለጺ እዩ። (ምስ ማቴ 5:18 ኣረኣኢ።) ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ ሰማይን ምድርን ነቲ ኣብ ራእ 21:1 ዚርከብ፡ “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን” እተባህለ ምሳልያዊ ሰማይን ምድርን ኬመልክት እውን ይኽእል እዩ።

ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፦ እቲ ኣብዚ ተዓይዩሉ ዘሎ ንኣሉታ ዜመልክት ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ንሓደ ሓሳብ ብዘየወላውል መገዲ ዚነጽግ እዩ፣ እዚ ኸኣ ቃላት የሱስ ዘለኣለማዊ ኸም ዝዀነ ብንጹር ይሕብር።

(ሉቃስ 22:28-30) “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ ዝጸናዕኩም ኢኹም፣ 29 ከምቲ ኣቦይ ምሳይ ኪዳን ዝገበረ፡ ኣነ እውን ምሳኻትኩም ኪዳን መንግስቲ እገብር ኣለኹ፣ 30 እዚ ድማ ኣብ መንግስተይ፡ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ን12 ነገዳት እስራኤል ምእንቲ ኽትፈርዱ እዩ።

w14 15/10 16-17 ¶15-16

“መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም

የሱስ ድራር ጐይታ ምስ ሰርዐ፡ ምስቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኺዳን አተወ፣ እዚ ኺዳን እዚ፡ ኪዳን መንግስቲ ይብሃል። (ሉቃስ 22:28-30 ኣንብብ።) ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝረአናዮ ኺዳናት፡ የሆዋ ሓደ ኻብቶም ተሳተፍቲ እዩ ነይሩ። ኪዳን መንግስቲ ግና ኣብ መንጎ የሱስን ኣብ መንጎ ቕቡኣት ሰዓብቱን እተገብረ ብምዃኑ፡ የሆዋ ኣብዚ ኺዳን እዚ ተሳታፊ ኣይኰነን። የሱስ፡ “ከምቲ ኣቦይ ምሳይ ኪዳን መንግስቲ ዝገበረ” ኺብል ከሎ፡ ነቲ የሆዋ፡ “ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን” ኪኸውን ኢሉ ምስኡ ዚኣተዎ ኺዳን ይጠቅስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እብ. 5:5, 6።

እቶም ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያት ‘ብፈተና የሱስ ምስኡ ተዓጊሶም’ እዮም። ብመሰረት ኪዳን መንግስቲ ኸኣ፡ እቶም ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያት ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ዚዀኑን ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኼገልግሉ ኣብ ዝፋናት ከም ዚቕመጡን ተረጋጊጹሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዚረኽብዎ እቶም ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያት ጥራይ ኣይኰኑን። እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ተራእዮ እሞ፡ “ከምቲ ኣነ እውን ዝሰዓርኩን ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩን፡ ነቲ ዚስዕር፡ ምሳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ ክፈቕደሉ እየ” በሎ። (ራእ. 3:21) ስለዚ፡ ኪዳን መንግስቲ ምስቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት እውን እዩ ተገይሩ። (ራእ. 5:9, 10፣ 7:4) እዚ ኺዳን መንግስቲ እዚ፡ እቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ንኺገዝኡ ሕጋዊ መሰረት ዜቕውም እዩ። እዚ ኸኣ ንሓደ ንጉስ ንኽትምርዖ ምስ እተመርጸት መርዓት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እታ መርዓት ነቲ ንጉስ ምስ ተመርዓወቶ፡ ምስኡ ዀይና ኽትገዝእ ትኽእል እያ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንቕቡኣት ክርስትያናት “መርዓት” ክርስቶስ ከምኡ እውን ንክርስቶስ እተሓጽየት “ንጽህቲ ድንግል” ከም ዚዀኑ ገይሩ ይጠቕሶም እዩ።—ራእ. 19:7, 8፣ 21:9፣ 2 ቈረ. 11:2።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 22:35-53) “ብዘይ ማሕፉዳን ለቘታ ስንቅን ኣሳእንን ምስ ሰደድኩኹም፡ ገለዶ ጐዲሉኩም እዩ፧” እውን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ገለ እኳ” በሉ። 36 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ለቘታ ስንቂ እውን ከምኡ፣ ሰይፊ ዘይብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ይዓድግ። 37 እቲ፡ ‘ምስ ጠሓስቲ ሕጊ ተቘጺሩ’ ዚብል ጽሑፍሲ ኣባይ ኪፍጸም ኣለዎ። እቲ ብዛዕባይ እተባህለስ፡ ይፍጸም ኣሎ።” 38 ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ይኣክል” በሎም። 39 ወጺኡ ኸኣ ከም ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ሰዓብዎ። 40 ናብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ብቐጻሊ ጸልዩ” በሎም። 41 ንሱ ባዕሉ ኸኣ፡ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ 42 “ኣቦ፡ እንተ ፈቲኻስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን።” 43 ካብ ሰማይ ከኣ መልኣኽ ተራእዮ፡ ኣበርትዖ እውን። 44 ብዙሕ ይሳቐ ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዝያዳ ኣጽኒዑ ይጽሊ ነበረ፣ ረሃጹ ድማ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። 45 ካብ ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብ ጓሂ እተላዕለ ብምድካሞም ተታኺሶም ረኸቦም። 46 ንሱ ድማ፡ “ስለምንታይ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ብቐጻሊ ጸልዩ” በሎም። 47 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ መጸ፣ እቲ ይሁዳ ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፣ ንየሱስ እውን ኪስዕሞ ቐረበ። 48 የሱስ ግና፡ “ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብ ብምስዓም ኣሕሊፍካዶ ትህቦ ኣለኻ፧” በሎ። 49 እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፡ እቲ ዚኸውን ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ “ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧” በልዎ። 50 ሓደ ኻባታቶም እሞ ኸኣ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። 51 የሱስ ግና፡ “ይኣክል” ኢሉ መለሰ። እዝኑ ተንክዩ እውን ኣሕወዮ። 52 ሽዑ፡ የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣሕሉቕ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም መጺእኩም፧ 53 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ክትሕዙኒ ኢልኩም ኣእዳውኩም ኣይዘርጋሕኩምን። እዚኣ ግና ሰዓትኩምን ስልጣን ጸልማትን እያ” በሎም።

27 ነሓሰ–2 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 23-24

“ንኻልኦት በደሎም ክትሓድገሎም ድሉው ኩን”

(ሉቃስ 23:34) የሱስ ግና፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ይብል ነበረ። ንኽዳውንቱ ኺማቐልዎ ድማ ዕጫ ኣውደቑ።

cl 297 ¶16

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’

የሱስ ፍቕሪ ኣቦኡ ዘንጸባረቐሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ ኸኣ “ንይቕሬታ ድልው” ብምዃን እዩ። (መዝሙር 86:5) ንይቕረታ ድሉው ምዃኑ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ኸሎ እውን ገሊጽዎ እዩ። የሱስ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመስማር ተሸንኪሩ ብዘሕፍር ኣማውታ ክመውት ከሎ እንታይ ኢሉ እዩ እተዛረበ፧ ነቶም ሰቐልቱ ንኽቐጽዖም ንየሆዋ ለሚንዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። መሕልፎ እኳ ደኣ እተን ናይ መወዳእታ ቓላቱ “ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” እየን ዝብላ።—ሉቃስ 23:34

(ሉቃስ 23:43) ንሱ ድማ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” በሎ።

g 2/08-E 11 ¶5-6

ኣምላኽ ንኸቢድ ሓጢኣት ይቕረ ይብል ድዩ፧

የሆዋ ንሓጢኣት እቲ ኣባሲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣረኣእያኡ እውን የስተብህለሉ እዩ። (ኢሳይያስ 1:16-19) ብዛዕባ እቶም ኣብ ጐድኒ የሱስ ተሰቒሎም ዝነበሩ ኽልተ ገበርቲ እከይ እሞ ሕሰብ። ክልቲኦም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ እዮም ነይሮም፣ ከመይሲ፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ንሕናስ ብሰሪ ግብርና ብሓቂ ዚግብኣና ኢና ረኺብና፣ እዚ [የሱስ] ግና ሓንቲ በደል እኳ ኣይገበረን” ኢሉ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ገለ ዝፈልጦ ነገር ከም ዝነበሮ ይሕብር። እዚ ፍልጠት እዚ ንኣረኣእያኡ ብኣወንታዊ መገዲ ቐይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንየሱስ፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” ብምባል ዘቕረቦ ልመና ተራእዩ እዩ። ክርስቶስ ነዚ ልባዊ ልመና እዚ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡሉ፧ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” በሎ።—ሉቃስ 23:41-43።

ብዛዕባዚ እሞ ሕሰብ፦ እቲ የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተዛረቦ ናይ መወዳእታ ዘረባ፡ ንሓደ ሞት ከም ዚግብኦ እተኣመነ ሰብኣይ ዘርኣዮ ምሕረት ዜጠቓልል መግለጺ እዩ ነይሩ። እዝስ ኣዝዩ ዜተባብዕ ደይኰነን! እምበኣር፡ የሱስ ክርስቶስን ኣቦኡ የሆዋን ንዅሎም እቶም ናይ ሓቂ ንስሓ ዜርእዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ሓጢኣት ብዘየገድስ፡ ምሕረት ከም ዚገብሩሎም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 4:7።

(ሉቃስ 24:34) “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እውን ተራእይዎ” ኺብሉ ኸኣ ጸንሕዎም።

cl 297-298 ¶17-18

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’

የሱስ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ዝገልጽ ዝያዳ ዝትንክፍ ኣብነት ከኣ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገበሮ ርክብ እዩ። ጴጥሮስ ንየሱስ ኣጸቢቑ የፍቅሮ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣብ 14 ኒሳን፡ ኣብታ ድሮ ሞት የሱስ ዝነበረት ለይቲ፡ ጴጥሮስ “ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ አሎኹ” በሎ። ከምዚ ኢሉ ኸብቅዕ ግን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ሰለስተ ግዜ ኸሓዶ! መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሳልሳይ ግዜ ምስ ከሓዶ ዘጋጠመ ነገር “ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ” ይብለና። እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣዝዩ ስለ ዝኸበዶ ኸኣ ‘ናብ ወጻኢ ኸይዱ መሪር ብኽያት በኸየ።’ የሱስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሞተ፡ ጴጥሮስ ‘ጐይታይሲ ይቕረ ኢሉለይ ዶዀን ይኸውን፧’ ኢሉ ተጨኒቑ ክኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 22:33, 61, 62።

ጴጥሮስ መልሱ ንምርካብ ነዊሕ ግዜ ኣይተጸበየን። የሱስ ንግሆ 16 ኒሳን እዩ ተንሲኡ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንጴጥሮስ በጽሖ። (ሉቃስ 24:34፣ 1 ቈረንቶስ 15:4-8) የሱስ ነቲ ዝኸሓዶ ሃዋርያ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ቘላሕታ ዝገበረሉ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ እተናስሐ ጴጥሮስ ገና ከም ዝፈትዎን ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮን ከረጋግጸሉ ስለ ዝደለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንጴጥሮስ ንኸረጋግጸሉ ካልእ ሓለፍ ዝበለ ነገር እውን ገይሩ እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ሉቃስ 23:31) ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ምስ ነቐጸ ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧” በለ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 23:31

ኣብ ጥሉል ኦም . . . ምስ ነቐጸ፦ የሱስ ብዛዕባ ኣይሁድ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንሱ ኣብኡ ብምንባሩን ብእኡ ዚኣምኑ ሓያሎ ኣይሁድ ብምንባሮምን፡ ኣይሁድ ኸም ሓንቲ ቝሩብ ጠሊ ዘለዋ ኦም እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ ተቐቲሉ እዩ፣ እቶም እሙናት ኣይሁድ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦምን ክፍሊ መንፈሳውያን እስራኤል ኰይኖምን እዮም። (ሮሜ 2:28, 29፣ ገላ 6:16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስጋውያን እስራኤል ብመንፈሳዊ መዳይ ስለ ዝሞቱ፡ ከም ዝነቐጸት ኦም ኰኑ።—ማቴ 21:43።

(ሉቃስ 23:33) ቀረንቀራ ናብ እትብሃል ቦታ ምስ በጽሑ፡ ንዕኡን ነቶም ገበነኛታትን ሰቐልዎም፣ ሓደ ብየማኑ፡ ሓደ ብጸጋሙ ገይሮም እውን ሰቐልዎም።

nwtsty ሚድያ

ኣብ ሸዀና እተሰመረ መስማር

እዛ ስእሊ እዚኣ፡ 11.5 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓታ መስማር ሓጺን፡ ሸዀና ሰብ ኣብ ዚመስል ስርሓት ኢድ ተሰሚራ ኸላ እያ እተርኢ። እቲ መበቈላዊ ስርሓት ኢድ፡ ብ1968 ኣብ ሰሜናዊ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ስነ ጥንታዊ ፍሕረት እዩ ተረኺቡ፣ ብግዜ ሮማውያን ዝነበረ ድማ እዩ። ሰባት ኣብ ጕንዲ ብመስማር ተሸንኪሮም ይስቀሉ ኸም ዝነበሩ ዜረጋግጽ ስነ ጥንታዊ መርትዖ ኸኣ እዩ። እዚ መስማር እዚ፡ ምስቲ ወተሃደራት ሮሜ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጕንዲ ንምሽንካር እተጠቕሙሉ መስማር ተመሳሳሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ እተሰመረት ሸዀና እተርኢ ስርሓት ኢድ፡ ስጋኡ መሽሚሹ ኣዕጽምቲ ጥራይ ዝተረፎ ሬሳ ኣብ እተቐመጠሉ ኻብ እምኒ እተሰርሐ ሳጹን ሬሳ እያ ተረኺባ። እዚ ድማ፡ ሓደ ኣብ ጕንዲ እተሰቕለ ሰብ፡ ድሕሪኡ ኪቕበር ከም ዚኽእል ይሕብረና።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 23:1-16) ኵላቶም ተንሲኦም ከኣ፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። 2 “እዚ ንህዝብና ኼስድዖም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኪኽልክሎም፡ ንሱ ባዕሉ ክርስቶስ ንጉስ ከም ዝዀነ ኸኣ ኪዛረብ ከሎ ረኺብናዮ” ኢሎም ድማ ኪኸስስዎ ጀመሩ። 3 ጲላጦስ ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። 4 ጲላጦስ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ህዝብን፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ ሓንቲ ገበን እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም። 5 ንሳቶም ግና፡ “ካብ ገሊላ ኣትሒዙ ኽሳብ ኣብዚ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” ኢሎም ተረሩ። 6 ጲላጦስ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ እዚ ሰብ እዚ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሓተተ። 7 ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፣ ንሱ እውን በተን መዓልትታት እቲአን ኣብ የሩሳሌም ነበረ። 8 ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገብሮ ገለ ትእምርቲ ኺርኢ እውን ተስፋ ይገብር ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። 9 ብዙሕ ከኣ ሓተቶ፣ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። 10 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስስዎ ነበሩ። 11 ሄሮድስ ከኣ ምስ ወተሃደራቱ ዀይኑ ኣቃለሎ፡ ብሉጽ ክዳን ከዲኑ ኣላገጸሉ፡ መሊሱ ኸኣ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። 12 ቅድሚኡ፡ ሄሮድስን ጲላጦስን ጽልኢ እኳ እንተ ነበሮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ተዓራረኹ። 13 ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንኣሕሉቕን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ 14 “ነዚ ሰብ እዚ፡ ንህዝቢ የዕሉ ኸም ዘሎ ጌርኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ ነዚ እትኸስስዎ ዘለኹም ክሲ፡ ዋላ ሓንቲ መሰረት ኣይረኸብኩሉን። 15 ሄሮድስ እውን መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረኸበሉን፣ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። 16 ስለዚ፡ ቀጺዐ ኽፈትሖ እየ” በሎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ