ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr18 ጥቅምቲ ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ጥቅምቲ 2018

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ጥቅምቲ 2018
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 1-7 ጥቅምቲ
  • 8-14 ጥቅምቲ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 15-21 ጥቅምቲ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 22-28 ጥቅምቲ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 29 ጥቅምቲ–4 ሕዳር
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
mwbr18 ጥቅምቲ ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ጥቅምቲ 2018

1-7 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 9-10

“የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን”

(ዮሃንስ 10:1-3) “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ደኣ ዚሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ። 2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3 እቲ ሓላው ማዕጾ ንዕኡ ይኸፍተሉ፣ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ይሰምዓ። ንኣባጊዑ ኸኣ ብስመን ጸዊዑ የውጽአን።

(ዮሃንስ 10:11) እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ይህባ።

(ዮሃንስ 10:14) እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ንኣባጊዐይ እፈልጠን፡ ኣባጊዐይ እውን ይፈልጣኒ እየን፣

nwtsty ሚድያ

ደምበ ኣባጊዕ

ደምበ ኣባጊዕ ንኣባጊዕ ካብ ሰረቕትን ካብ ኣራዊትን ንምዕቋብ ተባሂሉ ዚዳሎ እተሓጽረ ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ለይቲ፡ ጓሶት ንመጓሰኦም ኣብዚ ዕቝባ ዚረኽባሉ ደምበ ኣባጊዕ የሕድርወን ነይሮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደምበ ኣባጊዕ እተፈላለየ ቕርጽን ስፍሓትን ዝነበሮ ናሕሲ ዘይብሉ ቦታ እዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ፡ እቲ ሓጹር ብእምኒ እተዃነየ ዃና ዀይኑ፡ ሓደ መእተዊ ይህልዎ ነይሩ። (ዘሁ 32:16፣ 1ሳሙ 24:3፣ ጸፎ 2:6) ዮሃንስ፡ ናብ ደምበ ኣባጊዕ በቲ “ሓላው ማዕጾ” ዚሕልዎ “ኣፍ ደገ” ብዛዕባ ምእታው ተዛሪቡ ኣሎ። (ዮሃ 10:1, 3) ኣብ ናይ ሓባር ደምበ ኣባጊዕ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ መጓሰ ይሓድራ ነይረን እየን፣ ሓላው ማዕጾ ኸኣ ነተን ኣባጊዕ ንምዕቋብ ይሕሉ ነይሩ እዩ። ምስ ነግሀ፡ እቲ ሓላው ማዕጾ ነቶም ጓሶት ማዕጾ ይኸፍተሎም ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ጓሳ መጓሰኡ ንምእካብ ንኣባጊዑ ይጽውዕ እሞ፡ ኣባጊዑ ንድምጹ ኣለልየን ይስዕባኦ ነይረን እየን። (ዮሃ 10:3-5) የሱስ ነዚ ልምዲ እዚ ኸም ምሳሌ ገይሩ ብምጥቃስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚሓልየሎም ሓቢሩ ኣሎ።—ዮሃ 10:7-14።

w11 15/5 7-8 ¶5

ኣቱም ክርስትያን ስድራ ቤታት፡ ‘ንቕሑ’

ኣብ መንጎ ጓሳን ኣባጊዕን ዘሎ ርክብ፡ ኣብ ፍልጠትን እምነትን እተመስረተ እዩ። ጓሳ ብዛዕባ ኣባጊዑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ ኣባጊዕ እውን ንጓሳአን ይፈልጣኦን ይኣምናኦን እየን። ንድምጹ ኣለልየን ይእዘዛኦ እየን። የሱስ፡ “ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን” በለ። ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብላዕለ ላዕሊ ጥራይ ኣይኰነን ዚፈልጣ። እታ ኣብዚ “እፈልጠን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ን“ውልቃውን ዓሚቝን ፍልጠት” ተመልክት። እወ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኣባጊዑ በብውልቂ ይፈልጠን እዩ። በብውልቂ እንታይ ከም ዜድልየንን እንታይ ድኽመት ከም ዘለወንን እንታይ ብርታዐ ኸም ዘለወንን ይፈልጥ እዩ። እዚ ኣርኣያና እዚ ብዛዕባ ኣባጊዑ ዘይፈልጦ ነገር የብሉን። እተን ኣባጊዕ እውን ንጓሳአን ኣጸቢቐን ይፈልጣኦን ብመሪሕነቱ ይተኣማመናን እየን።

(ዮሃንስ 10:4, 5) ንዅላተን ምስ ኣውጽአን፡ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ስለ ዜለልያ፡ ይስዕባኦ። 5 ድምጺ ጓና ስለ ዘይፈልጣ፡ ካብኡ ይሃድማ እምበር፡ ንጓናስ ከቶ ኣይስዕባኦን እየን።”

cf 124-125 ¶17

“ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”

ጆርጅ ኣዳም ስሚዝ ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገር ኣብታ ሂስቶሪካል ጂኦግራፊ ኦቭ ዘ ሆሊ ላንድ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ጸሓፎ፦ “ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ይሁዳ ዚርከብ ዔላታት ነዕርፍ ነበርና፡ ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጓሶት መምስ መጓሰኦም ይመጹ ነበሩ። እተን መጓሰ ስለ ዚተሓዋወሳ፡ እቶም ጓሶት ነናቶም ኣባጊዕ ብኸመይ ኰን ኪፈልይወን እዮም ኢልና ንግረም ነበርና። እተን ኣባጊዕ ሰትየን ምስ ኣእከላ ግን እቶም ጓሶት ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ደሃይ እናኣስምዑ ናብ እተፈላለየ ኣንፈት እቲ ስንጭሮ ይኸዱ እሞ፡ እተን ኣባጊዕ ድማ ካብቲ ተሓዋዊሰናሉ ዝነበራ እናተፈልያ ኸም ኣመጻጽኣአን ነናብ ጓስአን ይኸዳ ነበራ።” የሱስ እምበኣር ነቲ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ መልእኽቲ ንምጕላሕ ዝበለጸ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ። ንትምህርትታቱ ንቕበሎን ንእዘዞን እንተ ዄንና፡ ንመሪሕነቱ እውን እንተ ስዒብና፡ እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ኺጓስየና እዩ።

(ዮሃንስ 10:16) “ካብዚ ደምበ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ፣ ንዓታተን ድማ ከምጽአን ኣሎኒ፡ ድምጸይ እውን ኪሰምዓ እየን፣ ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፡ ጓሳአን እውን ሓደ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 10:16

ከምጽአን፦ ወይ “ክመርሐን።” እታ ኣብዚ ተዓይዩላ ዘሎ ኣጎ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ከከም ኣሰዃዅዓኣ፡ ‘ምምጻእ’ ወይ ‘ምምራሕ’ ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ሓደ ኣብ 200 ድ.ክ. ኣቢሉ እተጻሕፈ ናይ ግሪኽኛ ኢደ ጽሑፍ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ምእካብ’ ተባሂላ እትትርጐም ምስ እዛ ቓል እዚኣ እትዛመድ ቃል (ሲናጎ) እዩ ተጠቒሙ። የሱስ ከም ሕያዋይ ጓሳ መጠን፡ ነተን ካብዚ ደምበ እዚ ዝዀና (ኣብ ሉቃ 12:32 እውን “ሒደት መጓሰ” እተባህላ) ኣባጊዕን ነተን ካልኦት ኣባጊዕን፡ ይእክበንን ይመርሐንን የዕቍበንን ይምግበንን እዩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ድማ ሓደ መጓሰ ይዀና እየን። እዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ፡ ነቲ ሰዓብቲ የሱስ ዘለዎም ሓድነት የጕልሕ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ዮሃንስ 9:38) ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ እኣምን እየ” በለ። ሰገደሉ እውን።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 9:38

ሰገደሉ፦ ወይ፡ “ኢድ ነስኣሉ።” እታ ፕሮስኪነዮ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ ነቲ ንኣምላኽ ወይ ንጣኦት ዚቐርብ ኣምልኾ ንምምልካት ክትውዕል ከላ፡ ‘ምምላኽ’ ተባሂላ እውን ትትርጐም እያ። (ማቴ 4:10፣ ሉቃ 4:8) ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ግና እቲ ብዕዉሩ እተወልደ እሞ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ የሱስ ወኪል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተገንዚቡ እዩ ሰጊዱሉ። ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ወይ ድማ ከም ሓደ ኺምለኽ ዘለዎ ኣካል ገይሩ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ወዲ ሰብ፡” ማለት ከምቲ መለኮታዊ ስልጣን ዘለዎ መሲሕ ገይሩ እዩ ርእይዎ። (ዮሃ 9:35) ንየሱስ ኪሰግደሉ ኸሎ፡ ምስቲ እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ብዚመሳሰል መገዲ ኸም ዝገበሮ ርዱእ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ምስ ነብያት፡ ነገስታት፡ ወይ ካልኦት ወኪላት ኣምላኽ ኪራኸቡ ኸለዉ ይሰግዱ ነይሮም እዮም። (1ሳሙ 25:23, 24፣ 2ሳሙ 14:4-7፣ 1ነገ 1:16፣ 2ነገ 4:36, 37) ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እቲ ንየሱስ ዚቐርበሉ ዝነበረ ስግደት፡ ንመለኮታዊ ግልጸት ምስጋና ንምግላጽ ወይ ንሱ ሞገስ ኣምላኽ ዘለዎ ምዃኑ ኸም እትኣምን ንምርኣይ ተባሂሉ እዩ ዚግበር ነይሩ።—ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 2:2፣ 8:2፣ 14:33፣ 15:25 ርአ።

(ዮሃንስ 10:22) ሽዑ፡ ኣብ የሩሳሌም በዓል ወፈያ ዀነ። ክረምቲ ኸኣ ነበረ፣

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 10:22

በዓል ወፈያ፦ እዚ በዓል እዚ ብእብራይስጢ ሃኑካህ (ሓኑካህ) ዚብሃል ኰይኑ፡ “መመረቕታ፣ ወፈያ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። ነቲ ብ165 ቅ.ክ. እተገብረ ዳግመ ወፈያ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ንምብዓል ተባሂሉ፡ ኣብ ክረምቲ፡ (ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ኽረምቲ ኣብ ዚብል ነጥቢ መጽናዕቲ፡ ከምኡ ድማ ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ) ካብ መበል 25 መዓልቲ ናይ ወርሒ ከስለው ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልቲ ይብዓል ነበረ። መበቈል እዚ በዓል ከምዚ ዚስዕብ እዩ፦ ኣንቲቆስ ኢጲፋነስ ንጉስ ሶርያ ንቤተ መቕደስ የሆዋ ብምርካስ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣይሁድ ዝዀነ የሆዋ ዘለዎ ንዕቀት ኣርኣየ። ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዚሓርር መስዋእቲ ዚቐርበሉ ዝነበረ ዓብዪ መሰውኢ፡ ካልእ መሰውኢ ሃነጸ። ኣንቲቆስ ብ25 ከስለው 168 ቅ.ክ. ንቤተ መቕደስ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንምርካስ፡ ኣብቲ መሰውኢ ሓሰማ ሰውአ፡ ንመረቕ እቲ ስጋኡ ኸኣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ቤተ መቕደስ ነጸጎ። ብዘይካዚ፡ ንመዓጹ ቤተ መቕደስ ኣንደደ፡ ንኽፍልታት ካህናት ኣፍረሰ፡ ነቲ ወርቃዊ መሰውእን ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ቀዋሚ ቐንዴል ወርቅን ድማ ወሰዶ። ድሕሪኡ፡ ንቤተ መቕደስ የሆዋ ነቲ ዘዩስ ዝስሙ ኣረማዊ ኣምላኽ ኦሊምፐስ ወፈያ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ይሁዳ መቃቢ ነታ ኸተማን ነታ ቤተ መቕደስን ሓዘን። እታ ቤተ መቕደስ ምስ ነጽሀት፡ ካብቲ ኣንቲቆስ ኣብቲ መሰውኢ ንዘዩስ ፍንፉን መስዋእቲ ዘቕረበሉ ግዜ ልክዕ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፡ ብ25 ከስለው 165 ቅ.ክ.፡ እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ተወፈየት። እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእቲ ኸም ብሓድሽ ተጀመረ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንይሁዳ መቃቢ ዓወት ከም ዝሃቦን ነታ ቤተ መቕደስ ንምሕዳስ ከም ዝመርሖን ዚገልጽ ቀጥታዊ ሓሳባት የልቦን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ምስ ኣምልኾኡ ዚተሓሓዝ ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ከም ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣመሰሉ ኻብ ኣህዛብ ዚዀኑ ሰባት ተጠቒሙ እዩ። (ኢሳ 45:1) እምበኣር፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ካብቶም ንዕኡ እተወፈዩ ህዝቢ ኺጥቀም ከም ዚኽእል ክንድምድም ንኽእል ኢና። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቲ ንመሲሕን ንኣገልግሎቱን ንመስዋእቱን ዚምልከት ትንቢታት ምእንቲ ኺፍጸም፡ እታ ቤተ መቕደስ ክትህሉን ክትዓይን ነይርዋ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ መሲሕ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ ኣሕሊፉ ብምሃብ ዝዓበየ መስዋእቲ ኽሳዕ ዜቕርብ፡ መስዋእቲ ሌዋውያን ኪቐርብ ነይርዎ እዩ። (ዳን 9:27፣ ዮሃ 2:17፣ እብ 9:11-14) ሰዓብቲ ክርስቶስ በዓል ወፈያ ኼብዕሉ ኣይተኣዘዙን። (ቈሎ 2:16, 17) ግናኸ፡ የሱስ ኰነ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ በዓል እዚ ኸም ዝዀነንዎ ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይርከብን እዩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ዮሃንስ 9:1-17) ኪሓልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ። 2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ፡ መን እዩ ዝሓጥአ፧ ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 3 የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺግሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይሓጥአ፡ ወለዱ ኣይሓጥኡ። 4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽንገብር ይግብኣና እዩ፣ ሓደ እኳ ኺዓይየላ ዘይክእል ለይቲ ትመጽእ ኣላ። 5 ኣነ ኣብ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ መለሰሎም። 6 እዚ ምስ በለ፡ ኣብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ በቲ ጥፍጣፍ ጸብሪ ገበረ፣ በቲ ጸብሩ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ለኸየ 7 እሞ፡ “ኣብ ሓጽቢ ሰሊሆም (ትርጉሙ “እተላእከ” እዩ) ኬድካ ተሓጸብ” በሎ። ከይዱ ተሓጽበ፡ እናረኣየ እውን ተመልሰ። 8 ስለዚ፡ እቶም ጐረባብትን እቶም ቀደም ለማኒ ኸሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ “እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧” በሉ። 9 ገሊኣቶም፡ “ንሱ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ከኣ፡ “ኣይኰነን፡ ንዕኡ ደኣ ይመስል” ይብሉ ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እየ” ይብሎም ነበረ። 10 ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፊተን፧” ኢሎም ሓተትዎ። 11 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኽዩ፡ ‘ናብ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’ ኢሉኒ። ኣነ እውን ከይደ ምስ ተሓጸብኩ፡ ክርኢ ኽኢለ” በሎም። 12 ንሳቶም ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፈልጥን” በሎም። 13 ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፡ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14 ብኣጋጣሚ፡ እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ፡ ሰንበት ነበረት። 15 ስለዚ፡ ፈሪሳውያን እውን ነቲ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገይሩለይ፡ ምስ ተሓጸብኩ ድማ ክርኢ ኽኢለ” በሎም። 16 ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ፈሪሳውያን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ሰንበት ካብ ዘየኽብርሲ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” በሉ። ካልኦት ድማ፡ “ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ትእምርትታት ኪገብር ይኽእል፧” በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ፍልልይ ኰነ። 17 ሽዑ፡ ነቲ ዕዉር ከም ብሓድሽ፡ “ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ነብዪ እዩ” በሎም።

8-14 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 11-12

“ንርሕራሐ የሱስ ቅድሓዮ”

(ዮሃንስ 11:23-26) የሱስ ድማ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ። 24 ማርታ ኸኣ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ። 25 የሱስ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ፣ 26 ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ኵሉ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪመውትን እዩ። ነዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧” በላ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 11:24, 25

ከም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ፦ ማርታ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ዚኸውን ትንሳኤ ዚዛረብ ዝነበረ እዩ መሲልዋ። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 6:39 ርአ።) ኣብ ትምህርቲ ትንሳኤ ዝነበረታ እምነት ኣዝያ እትድነቕ እያ ነይራ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ትንሳኤ ብንጹር ዚምህር እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰዱቃውያን ዚብሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት ግና በዚ ትምህርቲ እዚ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። (ዳን 12:13፣ ማር 12:18) በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ፈሪሳውያን ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ማርታ ግና የሱስ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዝመሃረ ትፈልጥ ነይራ እያ፣ ብዘይካዚ፡ ዋላ እኳ ኽንድቲ ኣልኣዛር ሞይቱ ዝጸንሓሉ ግዜ ኣይግበሩ እምበር፡ ምዉታት ከም ዘተንስአ ትፈልጥ ነይራ እያ።

ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፦ ሞትን ትንሳኤን የሱስ፡ ምዉታት ኪትንስኡ መገዲ ኸፊቱ እዩ። የሱስ ምስ ተንስአ፡ የሆዋ ንየሱስ ምዉታት ኬተንስእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ዜኽእሎ ሓይሊ እውን ሂብዎ እዩ። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 5:26 ርአ።) ኣብ ራእ 1:18፡ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “እቲ ህያው . .  እየ፡” “መፋትሕ ሞትን መቓብርን ከኣ ኣሎኒ” ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ተስፋ ህያዋንን ምዉታትን እዩ። መቓብራት ከም ዚኸፍት፡ ንምዉታት ድማ እንተስ ኣብ ሰማይ ከም መጋዝእቱ፡ እንተስ ኣብታ ሓዳስ ምድሪ በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸም ዚግዝኡ ተገዛእቱ፡ ህይወት ከም ዚህቦም ኣተስፍዩ እዩ።—ዮሃ 5:28, 29፣ 2ጴጥ 3:13።

(ዮሃንስ 11:33-35) ሽዑ፡ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድ እውን ኪበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ ብውሽጡ እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ። 34 “ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧” ድማ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርአ” በልዎ። 35 የሱስ ነብዐ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 11:33-35

ክትበኪ፦ እታ “ምብካይ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደሃይ ንዘለዎ ብኽያት እያ እተመልክት። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌም ኪንበ ኸሎ ኸም ዝበኸየ ኣብ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ እዛ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዚኣ ተዓይዩላ ኣሎ።—ሉቃ 19:41።

እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ፦ እዘን በዅሪ ቓላት እዚአን ብሓባር ምጥቃሰን፡ ነቲ የሱስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝነበሮ ብርቱዕ ስምዒት እየን ዚገልጻ። እታ “እህህ በለ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ግሲ (ኢምብሪማኦማይ) ብሓፈሻኡ ንሓያል ስምዒት እተመልክት እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብዚ ሓሳባት እዚ ግና የሱስ እህህ ክሳዕ ዚብል ውሽጡ ኣዝዩ ኸም እተተንከፈ እያ እትገልጽ። እታ “ተረበሸ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ግሲ (ታራሶ) ድማ ቃል ብቓሉ ተናወጸ ማለት እያ። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ “ንሓደ ሰብ ብውሽጡ ኸም ዚርበሽ ምግባር፣ ብብርቱዕ ስቓይ ወይ ሓዘን ምትንካፍ” ዚብል ትርጉም እያ እተመሓላልፍ። ነቲ ኣብ ዮሃ 13:21 ዚርከብ የሱስ ብይሁዳ ኣሕሊፍካ ኸም ዚውሃብ ኪሓስብ ከሎ እተሰምዖ ስምዒት ንምግላጽ፡ እዛ ግሲ እዚኣ ተዓይዩላ ኣሎ።—ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 11:35 ርአ።

ብውሽጡ፦ ቃ.ቃ.፡ “ብመንፈሱ።” እታ ኣብዚ ተዓይዩላ ዘሎ ፕኒውማ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ካብ ምሳልያዊ ልቢ ንዚወጽእ እሞ፡ ነቲ ሰብ ሓደ ነገር ኪብልን ኪገብርን ዚድርኾ ሓይሊ ተመልክት።—ኣብ ማህደረ ቓላት፡ “መንፈስ” ዚብል ርአ።

ነብዐ፦ እታ ኣብዚ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ዘላ ቓል (ዳክርዮ)፡ ግሲ ናይታ ኣብ ሉቃ 7:38፣ ግብ 20:19, 31፣ እብ 5:7፣ ራእ 7:17፣ 21:4 ተዓይዩላ ዘሎ “ንብዓት” እትብል ናይ ግሪኽኛ ስም እያ። ኣብዚ ኣትኵሮ ተዋሂብዎ ዘሎ፡ እቲ ንብዓት እምበር እቲ ዚስማዕ ብኽያት ኣይመስልን እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እዛ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዚኣ ኣብዛ ጥቕሲ ጥራይ እያ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ዘላ፣ ካብታ ንብኽያት ማርያምን እቶም ኣይሁድን እትገልጽ ኣብ ዮሃ 11:33 (ነጥቢ መጽናዕቲ ርአ) ዘላ ግሲ ድማ እተፈልየት እያ። የሱስ ንኣልኣዛር ከም ዜተንስኦ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ዜፍቅሮም ፈተውቱ ብሓዘን ተዋሒጦም ምርኣዩ ግና ብዙሕ ኣሕዚንዎ እዩ። ንፈተውቱ ብዝነበሮ ዓብዪ ፍቕርን ድንጋጽን ተደሪኹ ድማ ብግህዶ ነብዐ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ የሱስ ነቶም ብሰንኪ ሞት ኣዳም ሰቦም ዝሰኣኑ ሰባት ከም ዚድንግጸሎም ብንጹር የርኢ።

(ዮሃንስ 11:43, 44) እዚ ምስ በለ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። 44 እቲ ሞይቱ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብመግነዝ ተገኒዙ፡ ገጹ እውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ዮሃንስ 11:49) ሓደ ኻባታቶም፡ ቀያፋ ዚብሃል በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ግና፡ “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 11:49

ሊቀ ኻህናት፦ እስራኤል ርእሳ ኽኢላ እትመሓደር ሃገር ምስ ኰነት፡ ሓደ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት እዩ ኣብ መዝነቱ ዚቕጽል ነይሩ። (ዘሁ 35:25) እስራኤል ብሮማውያን ክትግዛእ ምስ ጀመረት ግና፡ እቶም ብሮሜ እተመዘዙ ገዛእቲ፡ ሊቀ ኻህናት ኪሸሙን ኬውርዱን ስልጣን ነይርዎም እዩ። (ኣብ ማህደረ ቓላት፡ “ሊቀ ኻህናት” ዚብል ርአ።) እቲ ናይ ዲፕሎማሲ ኽእለት ዝነበሮ ብሮማውያን እተሸመ ቀያፋ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ጸኒሑ እዩ። ኣብ 18 ድ.ክ. ተሸይሙ፡ ክሳዕ ከባቢ 36 ድ.ክ. ድማ ኣብ ስልጣኑ ቐጺሉ። ዮሃንስ፡ ቀያፋ በታ ዓመት እቲኣ፡ ማለት ብ33 ድ.ክ. ሊቀ ኻህናት ከም ዝነበረ ምግላጹ፡ እቲ ቀያፋ ኸም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን፡ ነታ የሱስ እተቐትለላ ዘይትርሳዕ ዓመት ከም ዜጠቓልል ንምሕባር ምንባሩ ርዱእ እዩ።—ቤት ቀያፋ ነይሩሉ ኪኸውን ዚኽእል ቦታ ንምርኣይ ኣብ መ.ጽ. ለ12 ርአ።

(ዮሃንስ 12:42) ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብ ኣሕሉቕ እኳ ብእኡ ኣመኑ፣ ግናኸ፡ ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፡ ብሰንኪ ፈሪሳውያን ኣይተኣመኑሉን፣

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 12:42

ኣሕሉቕ፦ እታ ኣብዚ “ኣሕሉቕ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቶም ኣባላት ዋዕላ፡ ማለት ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዝነበሩ እያ እተመልክት። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ዮሃ 3:1 ነቲ ኣባል እዚ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ኒቆዲሞስ ንምምልካት ተዓይዩላ ኣሎ።—ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 3:1 ርአ።

ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፦ ወይ፡ “ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይውገዙ፣ ከይክልከሉ።” እታ ኣፖሲናጎጎስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቕጽል ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣን ኣብ ዮሃ 12:42ን 16:2ን ጥራይ እያ እትርከብ። ሓደ እተሰጕጐ ሰብ በቲ ሕብረተ ሰብ ይጽላእን ይንዓቕን ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ውጉዝ ኰይኑ ኻብ ካልኦት ኣይሁድ ምስ ዚፍለ፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ኸቢድ ቍጠባዊ ሳዕቤን እዩ ዚህልዎ። ምኵራባት ብቐንዱ ትምህርቲ ንምምሕልላፍ የገልግላ እኳ እንተ ነበራ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ከም ኣብያተ ፍርዲ ዀይነን እውን የገልግላ ነይረን እየን፣ እዘን ኣብያተ ፍርዲ እዚአን፡ ንሓደ ሰብ ኪገርፋን ኪውግዛን ስልጣን ነይርወን እዩ።—ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 10:17 ርአ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ዮሃንስ 12:35-50) የሱስ ከኣ፡ “ንቝሩብ ግዜ ብርሃን ኣብ መንጎኹም ኪጸንሕ እዩ። ጸልማት ከይውሕጠኩምሲ፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ፣ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። 36 ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ” በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብአ። 37 ኣብ ቅድሚኦም ክንድዚ ዚኣክል ትእምርትታት ገይሩ ኽነሱ፡ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ፣ 38 እዚ ዝዀነ ኸኣ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡ በቲ ኻባና እተሰምዐ መን ኣሚኑ፧ ቅልጽም የሆዋኸ ንመን ተገሊጹ፧” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 39 ኪኣምኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ 40 “ብኣዒንቶም ከይርእዩን ብልቦም ከይርድኡን ከይምለሱን እሞ ኣነ ኸየሕውዮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዕዊሩ፡ ልቦም እውን ኣትሪሩ” ዝበሎ እዩ። 41 ኢሳይያስ ክብሩ ስለ ዝረኣየ እዩ እዚ ዝበለ፡ ብዛዕባኡ እውን ተዛረበ። 42 ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብ ኣሕሉቕ እኳ ብእኡ ኣመኑ፣ ግናኸ፡ ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፡ ብሰንኪ ፈሪሳውያን ኣይተኣመኑሉን፣ 43 ከመይሲ፡ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ብዝያዳ ፈተዉ። 44 የሱስ ግና ጨደረ፡ ከምዚ እውን በለ፦ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ በቲ ዝለኣኸኒ እውን እምበር፡ ብኣይ ጥራይ ኣይኰነን ዚኣምን፣ 45 እቲ ንዓይ ዚርኢ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይርእዮ። 46 ብኣይ ዚኣምን ኵሉ፡ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ። 47 ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ ዘበለ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። 48 እቲ ዚንዕቀንን ንቓለይ ዘይቅበልን ዚፈርዶ ኣለዎ። እቲ እተዛረብክዎ ቓል እዩ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ዚፈርዶ። 49 ከመይሲ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ። 50 ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ምዃና እውን እፈልጥ እየ። ስለዚ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ።”

15-21 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 13-14

“ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ”

(ዮሃንስ 13:5) ድሕሪኡ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኼንቅጽን ጀመረ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 13:5

ኣእጋር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሓጽብ፦ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሰባት ዚወድይዎ ዝነበሩ ሳእኒ፡ ሳንደል እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምስ እግሮምን ኵርዅሮኦምን ብጥላም እተኣስረ ኸብዲ ጫማ ጥራይ እዩ ነይሩ። መገድታቶምን ግራውቶምን ዶራን ወይ ጭቃ ዝመልኦ ስለ ዝነበረ፡ ኣእጋር ሰባት ግድን ይረስሕ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ኪኣቱ ኸሎ ኣሳእኑ ኼውጽእ ልሙድ እዩ ነይሩ፣ ተቐባል ጋሻ ዝዀነ ብዓል ቤት ድማ ንኣእጋር እቲ ጋሻ ይሓጽብ ነይሩ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ልምዲ እዚ ዜርኢ ብዙሕ ጸብጻባት ይርከብ እዩ። (ዘፍ 18:4, 5፣ 24:32፣ 1ሳሙ 25:41፣ ሉቃ 7:37, 38, 44) የሱስ ንኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሓጽብ ከሎ፡ በዚ ልምዲ እዚ ገይሩ ብዛዕባ ትሕትናን ንሓድሕድካ ብዛዕባ ምግልጋልን ውድዓዊ ትምህርቲ እዩ ዚህቦም ነይሩ።

(ዮሃንስ 13:12-14) ኣእጋሮም ምስ ሓጸበን ክዳውንቱ ምስ ተኸድነን፡ ከም ብሓድሽ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸምዚ በሎም፦ “እንታይ ከም ዝገበርኩልኩምሲ ተረዲእኩምዶ፧ 13 ንስኻትኩም፡ ‘መምህር’ን ‘ጐይታ’ን ትብሉኒ ኣለኹም፣ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ቅኑዕ ትዛረቡ ኣለኹም። 14 እምበኣር፡ ኣነ ጐይታን መምህርን ክነሰይ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 13:12-14

ይግብኣኩም፦ ወይ፡ “ግዴታ ኣሎኩም።” እታ ኣብዚ ተዓይዩላ ዘሎ ናይ ግሪኽኛ ግሲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ገንዘብ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኪዕየየላ ኸሎ፡ “ዕዳ ኣሎካ፣ ትእወድ ኢኻ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። (ማቴ 18:28, 30, 34፣ ሉቃ 16:5, 7) ኣብዝን ኣብ ካልእ ሓሳባትን ዝሰፍሐ ትርጉም ኪህልዋ ኸሎ፡ ሓደ ነገር ክትገብር ግዴታ ኸም ዘሎካ ንምምልካት ትውዕል።—1ዮሃ 3:16፣ 4:11፣ 3ዮሃ 8።

(ዮሃንስ 13:15) ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።

w99 1/3 31 ¶1

እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ትሕትና ዝመልኦ ኣገልግሎት ፈጸመ

የሱስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ሓያል ትምህርቲ ኢዩ ሂቡ። ክርስትያናት ተደለይቲ ከም ዝዀኑ፡ ካልኦት ከኣ ከገልግልዎም ከም ዘለዎም ገይሮም ክሓስቡ ኰነ ክብረትን ዝናን ክረኽቡ ኢሎም ክምነዩ ከም ዘይብሎም ርግጽ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ነቲ የሱስ ዝገደፈሎም ኣብነት ክስዕቡ ኣለዎም። ንሱ “ኼገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴዎስ 20:28) እወ፡ ሰዓብቲ የሱስ ንሓድሕዶም እቲ ዝተሓተ ኣገልግሎት ክገብሩ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ዮሃንስ 14:6) የሱስ ከኣ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 14:6

መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፦ ሓደ ሰብ ብየሱስ ኣቢሉ ጥራይ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኪቐርብ ስለ ዚኽእል፡ የሱስ መገዲ እዩ። ብዘይካዚ፡ ደቂ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑሉ ዚኽእሉ “መገዲ” እዩ። (ዮሃ 16:23፣ ሮሜ 5:8) ሓቂ ስለ እተዛረበን ምስ ሓቂ ተሰማሚዑ ስለ እተመላለሰን፡ የሱስ ሓቂ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ዜርኢ ብዙሕ ትንቢታት ፈጺምዎ እዩ። (ዮሃ 1:14፣ ራእ 19:10) እዚ ትንቢታት እዚ፡ “ብእኡ ‘እወ’ ዀይኑ [ወይ ተፈጺሙ] እዩ።” (2ቈረ 1:20) በቲ ዝኸፈሎ በጃ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ፡ “ናይ ሓቂ ህይወት፡” ማለት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረኽቡ መገዲ ስለ ዝኸፈተሎም፡ የሱስ ህይወት እዩ። (1ጢሞ 6:12, 19፣ ኤፌ 1:7፣ 1ዮሃ 1:7) ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሚልዮናት፡ “ህይወት” ኪዀነሎም እዩ።—ዮሃ 5:28, 29።

(ዮሃንስ 14:12) ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ስለ ዘለኹ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ንሱ እውን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ኪገብር እዩ፣ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት እውን ኪገብር እዩ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 14:12

ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት፦ የሱስ፡ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ዚፍጽምዎ ተኣምራዊ ግብርታት ካብቲ ንሱ ዝፈጸሞ ተኣምራዊ ግብርታት ከም ዚዓቢ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ስፍሓት እቲ ዚፍጽምዎ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮኦም ካብ ናቱ ኸም ዚዓቢ እዩ ብትሕትና ዚእመን ነይሩ። ሰዓብቱ ኻብቲ ናቱ ዝሰፍሐ ኽሊ ኺሽፍኑን ዝያዳ ሰባት ኪረኽቡን ንዝነውሐ ግዜ ኺሰብኩን ምዃኖም እዩ ገሊጹ። ቃላት የሱስ፡ ሰዓብቱ ንዕዮኡ ኪቕጽልዎ ኸም ዚደልዮም ብንጹር ዜርኢ እዩ ነይሩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ዮሃንስ 13:1-17) የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ሰዓቱ ኸም ዝኣኸለት ስለ ዝፈለጠ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። 2 ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን፡ ኣሕሊፉ ኺህቦ ድሮ ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። 3 የሱስ ከኣ ኣቦ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦን ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸን ናብ ኣምላኽ ከም ዚኸይድን ፈሊጡ፡ 4 ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ። ዓለባ ኣልዒሉ እውን ተዓጥቀ። 5 ድሕሪኡ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኼንቅጽን ጀመረ። 6 ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ መጸ። ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፧” በሎ። 7 የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፡ ሕጂ ኣይትርድኦን ኢኻ፣ ድሕርዚ ግና ክትርድኦ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 8 ጴጥሮስ ድማ፡ “ከቶ ኣእጋረይ ኣይክትሓጽበንን ኢኻ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እንተ ዘይሓጺበካስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። 9 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን እውን ሕጸበኒ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን” በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ “እቲ እተሓጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እምበር፡ ብዘይካ ኣእጋሩ፡ ኪሕጸብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ንጹሃት ኢኹም፣ ግናኸ፡ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን” በለ። 11 ከመይሲ፡ ነቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይፈልጦ ነበረ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን” ዝበለ። 12 ኣእጋሮም ምስ ሓጸበን ክዳውንቱ ምስ ተኸድነን፡ ከም ብሓድሽ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸምዚ በሎም፦ “እንታይ ከም ዝገበርኩልኩምሲ ተረዲእኩምዶ፧ 13 ንስኻትኩም፡ ‘መምህር’ን ‘ጐይታ’ን ትብሉኒ ኣለኹም፣ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ቅኑዕ ትዛረቡ ኣለኹም። 14 እምበኣር፡ ኣነ ጐይታን መምህርን ክነሰይ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም። 15 ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ። 16 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን፡ ልኡኽ እውን ካብ ለኣኺኡ ኣይዓብን እዩ። 17 ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም።

22-28 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 15-17

“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን”

(ዮሃንስ 15:19) ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ትፈትዎ እያ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፣ ስለዚ፡ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 15:19

ዓለም፦ ነዚ ኣብዚ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ እታ ኮስሞስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ነታ ኻብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተፈልየት ናይ ደቂ ሰብ ዓለም፡ ማለት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ሓጥእ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ እያ እተመልክት። የሱስ፡ ሰዓብቱ ኻብዛ ዓለም ከም ዘይኰኑ ኸም እተዛረበ ዝጠቐሰ ጸሓፍ ወንጌል፡ ዮሃንስ ጥራይ እዩ። የሱስ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ኣብ ዝጸለዮ ናይ መወዳእታ ጸሎት እውን፡ ክልተ ሳዕ ከምዚ ኢሉ ኸም እተዛረበ ተመዝጊቡ ኣሎ።—ዮሃ 17:14, 16።

(ዮሃንስ 15:21) ግናኸ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 15:21

ስለ ስመይ፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ስም” እትብል ቃል ሓድሓደ ግዜ ነቲ ነዚ ስም እዚ ጾይሩ ዘሎ ሰብን ንዝናኡን ንዅሉ እቲ ንሱ ዚውክሎ ነገርን ተመልክት እያ። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 6:9 ርአ።) ስም የሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ስልጣንን ቦታን እውን የመልክት እዩ። (ማቴ 28:18፣ ፊል 2:9, 10፣ እብ 1:3, 4) የሱስ፡ ሰባት ንሰዓብቱ እዚ ዅሉ ዚገብሩሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ ነቲ ዝለኣኾ ስለ ዘይፈልጥዎ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። ንኣምላኽ እንተ ዚፈልጥዎ ግና፡ ስም የሱስ ንምንታይ ከም ዚውክል ኪርድኡን ኪእመኑሉን ምኸኣሉ ነይሮም። (ግብ 4:12) እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ብኣምላኽ እተሸመ ገዛእን ንጉሰ ነገስትን ከም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ቦታ፡ ማለት ኵሎም ሰባት ህይወት ንምርካብ ብተገዛእነት ኪሰግዱሉ ዚግብኦ ምዃኑ የጠቓልል።—ዮሃ 17:3፣ ራእ 19:11-16፣ ምስ መዝ 2:7-12 ኣረኣኢ።

(ዮሃንስ 16:33) ብኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

it-1-E 516

ትብዓት

ክርስትያናት ብኣረኣእያን ብተግባራትን እዛ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽልኢ ዘለዋ ዓለም ከይተበከሉ ኺመላለሱን ዓለም እናጸልኣቶም ክነሳ ንዕኡ እሙናት ኪዀኑን ትብዓት የድልዮም እዩ። የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ 16:33) ወዲ ኣምላኽ ንጽልዋታት ዓለም ኢዱ ኣይሃበን፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ንዓለም ብዘይምምሳል ስዒርዋ እዩ። እቲ የሱስ ንዓለም ብምስዓር ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነትን እቲ ፍጹም ኣካይዳኡ ዘፍረዮ ፍረን፡ ንሓደ ክርስትያን ንየሱስ ብምምሳል ካብ ዓለም ፍሉይ ኰይኑን ብእኣ ኸይረኸሰን ኪመላለስ ዜድልዮ ትብዓት ይህቦ እዩ።—ዮሃ 17:16።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ዮሃንስ 17:21-23) እዚ ኸኣ ከምቲ ንስኻ፡ ኦ ኣቦ፡ ምሳይ ሓድነት ዘሎካ፡ ኣነ እውን ምሳኻ ሓድነት ዘሎኒ፡ ንሳቶም እውን ምሳና ሓድነት ኪህልዎም እሞ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ትኣምን። 22 ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሂበዮም ኣለኹ። 23 ፍጹም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እሞ፡ ዓለም ከምቲ ንዓይ ዘፍቀርካኒ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካንን ከም ዘፍቀርካዮምን ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ኣሎኒ፡ ንስኻ እውን ምሳይ ሓድነት ኣሎካ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 17:21-23

ሓደ፦ ወይ፡ “ሓድነት።” የሱስ ከምቲ ንሱን ኣቦኡን ንሓድሕዶም ብምትሕብባርን ሓደ ሓሳብ ብምሓዝን “ሓደ” ዝዀኑ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ እውን ሓደ ዕላማ ሒዞም ብሓድነት ብምዕያይ “ሓደ” ኪዀኑ እዩ ጸልዩ። (ዮሃ 17:22) ኣብ 1ቈረ 3:6-9፡ ጳውሎስ ነዚ ክርስትያናት ኣገልገልቲ ምስ ብጾቶምን ምስ ኣምላኽን ኰይኖም ኪዓይዩ ኸለዉ ዜርእይዎ ዓይነት ሓድነት እዚ ገሊጽዎ ኣሎ።—1ቈረ 3:8ን ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 10:30፣ 17:11ን ርአ።

ፍጹም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፦ ወይ፡ “ምሉእ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም።” ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሱስ ንፍጹም ሓድነት፡ ብኣቦ እተፈቐርካ ምስ ምዃን ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኣብ ቈሎ 3:14 ዚርከብ፡ “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ” ዚብል ሓሳባት ዚሰማማዕ እዩ። እዚ ፍጹም ሓድነት እዚ ግና ተዛማዲ እዩ። ኣብ ውልቀ ሰባት ናይ ባህርይን ክእለትን ልምድን ሕልናን ፍልልይ ኣይህሉን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ሰዓብቲ የሱስ ብግብርን ብእምነትን ብትምህርትን ሓድነት ይህልዎም ማለት እዩ።—ሮሜ 15:5, 6፣ 1ቈረ 1:10፣ ኤፌ 4:3፣ ፊል 1:27።

(ዮሃንስ 17:24) ኣቦ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ንስኻ ዝሃብካኒ እውን ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ዘለኽዎ ምሳይ ኪዀኑ እደሊ ኣለኹ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 17:24

ምስራት ዓለም፦ እታ “ምስራት” እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ እብ 11:11 ምስ “ዘርኢ” ኺዕየየላ ኸሎ “ምጥናስ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣብዚ “ምስራት ዓለም” ኪብል ከሎ፡ ንምውላድ ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዜመልክት ርዱእ እዩ። የሱስ ን“ምስራት ዓለም” ምስ ኣቤል፡ ማለት ምስቲ ኺድሕን ዚኽእልን ‘ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ስሙ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈን’ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ሉቃ 11:50, 51፣ ራእ 17:8) እዘን የሱስ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ እተዛረበን ቃላት፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ማለት ኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ቅድሚ ምውላዶም፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ኸም ዘፍቀሮ የረጋግጸልና።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ዮሃንስ 17:1-14) የሱስ እዚ ተዛሪቡ፡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦ፡ እታ ሰዓት ኣኺላ እያ። ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ፣ 2 ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ስልጣን ዝሃብካዮ እውን፡ ንዅሎም እቶም ዝሃብካዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። 3 በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። 4 ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ። 5 ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ ምሳኻ ጌርካ ኣኽብረኒ። 6 “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም ኣለኹ። ናትካ እዮም ነይሮም፡ ንዓይ ከኣ ሂብካኒ፡ ቃልካ እውን ሓልዮም እዮም። 7 ኵሉ እቲ ዝሃብካኒ፡ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈሊጦም እዮም፣ 8 ከመይሲ፡ እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሂበዮም እየ፡ ንሳቶም እውን ተቐቢሎምዎ እዮም፣ ኣነ ወኪልካ ዀይነ ኸም ዝመጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈሊጦም እዮም፣ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ እውን ኣሚኖም እዮም። 9 ኣነ ምእንታኦም እልምን እየ፣ ንሳቶም ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። 10 ኵሉ እቲ ናተይ ከኣ፡ ናትካ እዩ፣ እቲ ናትካ ድማ፡ ናተይ እዩ፣ ኣነ እውን ኣብ መንጎኦም ከቢረ እየ። 11 “ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፣ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፣ ኣነ እውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ። ቅዱስ ኣቦ፡ ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓልዎም። 12 ኣነ ምሳታቶም ከለኹ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ እሕልዎም ነይረ፣ ስለ ዘዕቈብክዎም ከኣ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍአን። 13 ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣለኹ፣ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ኣብ ዓለም እብል ኣለኹ። 14 ቃልካ ሂበዮም ኣለኹ፣ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ፡ ዓለም ጸሊኣቶም እያ።

29 ጥቅምቲ–4 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 18-19

“የሱስ ንሓቂ መስኪሩ”

(ዮሃንስ 18:36) የሱስ ከኣ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መለሰ።

(ዮሃንስ 18:37) ጲላጦስ ድማ፡ “እምበኣር፡ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ እዚ ተወሊደ፡ ምእንቲ እዚ እውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ፡ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 18:37

ክምስክር፦ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እተን “ክምስክር”ን (ማርቲሮ) “ምስክር”ን (ማርቲሪያ፣ ማርቲስ) ተባሂለን ዚትርጐማ ናይ ግሪኽኛ ቓላት፡ ሰፊሕ ትርጉም እዩ ዘለወን። ክልቲአን ቃላት፡ ባዕልኻ ብዛዕባ ዝረኣኻዮ ወይ እትፈልጦ ሓቅታት ምምስካር ዚብል ሓሳብ ንምትሕልላፍ ዚዕየየለን እኳ እንተ ዀነ፡ “ምእዋጅ፣ ምርግጋጽ፣ ጽቡቕ ምዝራብ” ዚብል ሓሳብ እዋን ኬጠቓልላ ይኽእላ እየን። የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝኣመነሉ ሓቅታት መስኪሩን ኣዊጁን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓቅታት እቲ ትንቢታዊ ቓላትን ተስፋታትን ኣቦኡ ብዚድግፍ መገዲ እውን ተመላሊሱ እዩ። (2ቈረ 1:20) እቲ ኣምላኽ ምስታ መንግስቱን ምስቲ መሲሓዊ ገዛኢኣን ብዚተኣሳሰር ዘለዎ ዕላማ ኣቐዲሙ ብዝርዝር ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ብምሉኡ እቲ ብመስዋእታዊ ሞት እተዛዘመ ምድራዊ ህይወት የሱስ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እተገልጸ ትንቢታት፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ጽላሎት ዝነበረ ነገራት ፈጺምዎ እዩ። (ቈሎ 2:16, 17፣ እብ 10:1) ስለዚ፡ የሱስ ብቓልን ብግብርን ‘ንሓቂ መስኪሩ’ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

ሓቂ፦ የሱስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሓቂ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ሓቂ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ቀንዲ ዕላማ ኣምላኽ፡ እቲ “ወዲ ዳዊት” ዝዀነ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናትን ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽን ኰይኑ ኼገልግል እዩ። (ማቴ 1:1) የሱስ ናብዛ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ዝመጸሉ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ዝነበረሉን ዘገልገለሉን ቀንዲ ምኽንያት፡ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዚገልጽ ሓቂ ኺእውጅ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። የሱስ ኣብታ ዳዊት እተወልደላ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ቕድሚ ምውላዱን ኣብ እተወልደሉ እዋንን፡ መላእኽቲ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣዊጆም እዮም።—ሉቃስ 1:32, 33፣ 2:10-14።

(ዮሃንስ 18:38ሀ) ጲላጦስ ድማ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” በሎ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 18:38ሀ

ሓቂ እንታይ እዩ፧፦ ጲላጦስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሓቂ እምበር፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚዛረበሉ ዝነበረ “ሓቂ” ይሓትት ከም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። (ዮሃ 18:37) እዚ ብቕንዕና እተሓትተ ሕቶ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ የሱስ ብዘይጥርጥር መልሲ ምሃበሉ ነይሩ። ጲላጦስ ግና፡ “ሓቂ፧ እዚ እንታይ እዩ፧ ሓቂ ዚብሃል ነገር የልቦን!” ዝዓይነቱ ነቐፌታዊ መልእኽቲ ዘለዎ መልሲ ዘየድልዮ ሕቶ እዩ ሓቲቱ ኪኸውን ዚኽእል። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ሓዲጉ ናብቶም ኣይሁድ እዩ ወጺኡ እምበር፡ መልሲ ኣይተጸበየን።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ዮሃንስ 19:30) የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ወይኒ ምስ ጠዓሞ፡ “ተፈጺሙ!” በለ፣ ርእሱ ምስ ኣድነነ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ሃበ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 19:30

መንፈሱ ኣሕሊፉ ሃበ፦ ወይ፡ “ትንፋሱ ሓለፈት።” እታ ኣብዚ ዘላ መንፈስ እትብል ቃል (ፕኒውማ) ን“እስትንፋስ” ወይ “ሓይሊ ህይወት” ከተመልክት ትኽእል እያ። እዚ ኸኣ በታ ኣብ ማር 15:37ን ሉቃ 23:46ን ኣብ ዚርከብ ነዚ ዚምልከት ጸብጻብ ተዓይዩላ ዘሎ ኢክፕንዮ (ቃ.ቃ. “ንደገ ምስትንፋስ”) እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ ይድገፍ እዩ። ገሊኦም፡ እታ “ኣሕሊፉ ሃበ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ተዓይዩላ ምህላዉ፡ ኵሉ ነገር ተፈጺሙ ብምዃኑ፡ የሱስ ብፍቓዱ ብህይወት ንምንባር ምቅላስ ኣቋሪጹ ማለት ከም ዝዀነ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ብፍቓዱ “ህይወቱ ንሞት ወፍይዋ” እዩ።—ኢሳ 53:12፣ ዮሃ 10:11።

(ዮሃንስ 19:31) መዓልቲ ምድላው ስለ ዝነበረት፡ (እታ መዓልቲ ሰንበት እቲኣ ኸኣ ዓባይ ስለ ዝነበረት፡) እቲ ሬሳታት ኣብ ጕንዲ ስቅያት ምእንቲ ኸይሓድር፡ ኣእጋሮም ሰይሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ዮሃ 19:31

እታ መዓልቲ ሰንበት እቲኣ ኸኣ ዓባይ ስለ ዝነበረት፦ እታ ድሕሪ ፋስጋ ዘላ 15 ኒሳን፡ ኣበየነይቲ መዓልቲ ሰሙን ትውዓል ብዘየገድስ፡ ወትሩ ሰንበት እያ እትቝጸር ነይራ። (ዘሌ 23:5-7) እዛ ፍልይቲ ሰንበት እዚኣ ምስታ ተራ ሰንበት (ዓርቢ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ጀሚራ ኽሳዕ ቀዳም ጸሓይ እትዓርብ እትቕጽል ሻውዐይቲ መዓልቲ ናይ ኣይሁድ ሰሙን) ኣብ ሓደ መዓልቲ ምስ እትውዕል፡ “ዓባይ” ሰንበት ትኸውን ነይራ። እዛ ሰንበት እዚኣ ነታ የሱስ ኣብ ዓርቢ ዝሞተላ መዓልቲ ስዒባ እያ ውዒላ። ካብ 29 ክሳዕ 35 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 14 ኒሳን ኣብ ዓርቢ ዝወዓለትላ ዓመት፡ 33 ድ.ክ ጥራይ እያ ነይራ። እዚ ኸኣ የሱስ ኣብ 14 ኒሳን፡ 33.ድ.ክ. ከም ዝሞተ ዜረጋግጽ መርትዖ እዩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ዮሃንስ 18:1-14) የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘለዋ ኣብ ስግር ስንጭሮ ቄድሮን እትርከብ ቦታ ኸደ፣ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን ናብኣ ኣተወ። 2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ኣብኣ ይራኸብ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ እውን ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። 3 ስለዚ፡ ይሁዳ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ዝሓዙ ጭፍራ ወተሃደራትን ገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መሪሑ መጸ። 4 ሽዑ፡ የሱስ ንዅሉ እቲ ዚመጾ ፈሊጡ፡ ንቕድሚት ሰጒሙ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ ኸኣ፡ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ። 6 ግናኸ፡ የሱስ፡ “ኣነ እየ” ምስ በሎም፡ ኣድሓርሓሩ፡ ናብ ምድሪ እውን ወደቑ። 7 ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” በሉ። 8 የሱስ ድማ፡ “‘ኣነ እየ’ ኢለ እኮ ነጊረኩም እየ። ንዓይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። 9 እዚ ኸኣ እቲ፡ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 10 ሽዑ፡ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያ፡ ማልኮስ ነበረ። 11 የሱስ ግና ንጴጥሮስ፡ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኣ ምለሳ። ነታ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋእሲ፡ ክሰትያዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” በሎ። 12 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13 ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ነበረ እሞ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ። 14 ቀያፋ ኸኣ እቲ ንኣይሁድ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚጠቕሞም ዝመኸሮም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ