ክርስትያናዊ ህይወት
ደቅና ብኸመይ ከም እነዕቢ፡ የሆዋ ምሂሩና
ሰብ ሓዳር ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ደቆም ምእንቲ ኼዕብዩ፡ ካብቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝዀነ የሆዋ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧ ነታደቅና ብኸመይ ከም እነዕቢ፡ የሆዋ ምሂሩና ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኣቢሊዮ ኣሞሪምን ኡላ ኣሞሪምን፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣተዓባብያኦም፡ ከም ወለዲ መጠን ደቆም ኣብ ምዕባይ ብኸመይ ጸልይዎም፧
ደቆም እንታይ ባህ ዜብል ተዘክሮታት እዋን ቍልዕነት እዩ ዘለዎም፧
ኣቢሊዮን ኡላን ንዘዳግም 6:6, 7 ኣብ ግብሪ ዘውዓልዋ ብኸመይ እዮም፧
ንደቆም ሕግታት ጥራይ ዘይሃብዎም ስለምንታይ እዮም፧
ንደቆም መጻኢኦም ባዕሎም ኪሃንጹ ዝሓገዝዎም ብኸመይ እዮም፧
ከም ወለዲ መጠን መስዋእቲ ዜኽፍሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ደቆም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኪዀኑ ወትሩ ዜተባብዕዎም ብኸመይ እዮም፧ (bt 178 ¶19)