ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ፊልጲ 1-4 “ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” 4:6, 7 ጸሎት፡ ፈውሲ ጭንቀት እዩ ብእምነት እንተ ጸሊና፡ የሆዋ ነቲ ኻብ “ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ” ሰላም ኪህበና እዩ እቲ ዘጋጠመና ጸገማት መፍትሒ ዘይብሉ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ ንምጽዋሩ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ዘይተጸበናዮ ነገር እውን ከይተረፈ ኺገብረልና ይኽእል እዩ።—1ቈረ 10:13