ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/11 ገጽ 28-32
  • ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጭንቀት እንታይ ኢዩ?
  • ሓገዝ ኣሎ
  • ትሕትና ብኸመይ ትሕግዝ
  • ግደ ናይ ትዕግስቲ
  • ኣብ የሆዋ ተወከል
  • ጭንቀትካ ኣብ የሆዋ ምድርባይ ቀጽል
  • ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ጭንቀት
    ንቕሑ!—2016
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/11 ገጽ 28-32

ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ

“ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ: ን [ኹ]ሉ [ጭንቀትኩም ‘ትሓዓ’ ] ኣብኡ ኣውድቕዎ። ”​—⁠1 ጴጥሮስ 5:​6, 7

1. ጭንቀት ብኸመይ ይትንክፈና: እዝኸ ብኸመይ ምሳሌ ክወሃበሉ ይኽእል?

ጭንቀት ንህይወትና ኣበርቲዑ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ምስቲ ሓድ ሓደ ግዜ ኣብ ራድዮ ዝስማዕ ጥዑም ዜማ ዝዝርግ: ኤለክትሪካዊ ተርእዮ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ ራድዮ ማዕበል እንተዘይተቋሪጹ ህድኣት ከምጽኣልካ ዝኽእል ጥዑም ዜማ ብምስማዕ ባህ ክብለካ ይኽእል ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን እቲ ብሰንኪ ኤለክትሪካዊ ተርእዮ ዝስማዕ ጎራዕራዕ ዝብል ድምጺ ነቲ ዝበለጸ ቅኒትውን ይኹን የበላሽዎ እሞ ሓርቖትን ምብስጫውን የምጽኣልና። ጭንቀት ከኣ ኣብ ቅሳነትና ተመሳሳሊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ኣዝዩ ስለ ዝኸብደና ነቲ ኣድላዪ ነገራት ከም ዘይነቕልበሉ ክንከውን ንኽእል ኢና። ብሓቂ’ኳ ደኣ “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ።”​—⁠ምሳሌ 12:⁠25

2. የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ‘ጭንቀት ሓዳር’ እንታይ በለ?

2 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣብ ኽቱር ጭንቀት ምዝባል ዘለዎ ሓደጋ ተዛረበ። ኣብቲ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዝሃቦ ትንቢት ከምዚ በለ:- “ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም ኢያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን [ጭንቀት ትሓዓ ] ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽ ኵሉ ነገር ንምምላ[ቑ]ን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።” (ሉቃስ 21:​34-36) ከምቲ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ምብላዕን ከቢድ ምስታይን ናይ ኣእምሮ ምድንዛዝ ዘምጽእ: ‘ጭንቀት ሓዳር’ ምስ ዝኸብደና ኸኣ ሕማቕ ሳዕቤን ዘለዎ ኣእምሮኣዊ ሚዛንና ከም እነጥፍእ ክገብረና ይኽእል ኢዩ።

ጭንቀት እንታይ ኢዩ?

3. “ጭንቀት” ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ: ገለ ካብቲ ዘስዕቦ ነገራትከ እንታይ ኢዩ?

3 “ጭንቀት ዘሕምም ወይ ዘሻቕል ምንዋጽ ናይ ኣእምሮ: መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ብዙሕ ዝገበረ ወይ ካብቲ ዝተጸበኻዮ ንላዕሊ ዝኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዝስዕብ” ኢዩ ተባሂሉ ይግለጽ። “ፍርሒ ዝመልኦ ምስጋግ ወይ ምግዳስ” ከምኡውን “ብኣካላዊ ምልክታት (ከም ምርሃጽ: ውጥረት: ናይ ትርግታ ምብርታዕን) ዝስነ ግቡእ ዘይኮነን ዓብላልን ስምዒት ናይ ምሽቓልን ፍርህን ኢዩ: ብዛዕባ ክውንነትን ባህርን ናይቲ ዘፍርህ ነገር ምጥርጣርን: ንኽትዋጽኣሉ ምኽኣልካን ዘይምኽኣልካን ከኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምጥርጣርን” ኢዩ። (ወብሰተር ’ስ ናይንዝ ኒው ኮሊገይት ዲክሸነሪ) ስለዚ ጭንቀት ዝተሓላለኸ ሽግር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሕማም: እርጋን: ንገበን ምፍራሕ: ስራሕ ምስኣን ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ስድራቤትካ ድሕንነት ምሽጋር ገለ ካብቶም ጭንቀት ከስዕቡልካ ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኢዮም።

4. (ሀ) ብዛዕባ ሰባትን ጭንቀቶምን እንታይ ምስ እንዝክር ኢዩ ሰናይ ዝኸውን? (ለ) ኣብ ጭንቀት ንርከብ እንተደኣ ኣሊና: እንታይ ክግበር ምተኻእለ?

4 ልክዕ ከምቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክመጽእ ዝኽእል: ጭንቀት ዝተፈላለየ ደረጃ ከም ዘለዎ ግልጺ ኢዩ። ኵሎም ሰባት ንሓደ ዓይነት ኵነታት ብሓደ መገዲ ኣይምልስሉን ኢዮም። ስለዚ ንዓና ዘየሸግረና ነገር ንገለ ካብቶም ብጾትና ኣምለኽቲ የሆዋ ግን ከቢድ ጭንቀት ከውርደሎም ከም ዝኽእል ክንዝክር የድልየና። ጭንቀት ኣብቲ ሓቅታት ናይቲ ዝቃዶን ባህ ዘብልን ቃል ኣምላኽ ኣትኵሮ ምግባር ክሳዕ እንስእን እንተገበረናኸ እንታይ ክግብር ይከኣል? እቲ ጭንቀት ነቲ ብዛዕባ ሉዓላዊነት የሆዋን ክርስትያናዊ ንጽህናን ዘሎ ክርክር ምትኳር ክሳዕ እንስእን ጐዲኡና እንተኾይኑኸ? ኵነታትና ክንልውጥ ኣይንኽእልን ንኸውን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ በቲ ኣሸጋሪ ዝኾነ ናይ ህይወት ግድላት ዝመጽእ ዘይግቡእ ጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ ዝሕግዘና ጥቕሳዊ ነጥብታት ክንርኢ ከድልየና ኢዩ።

ሓገዝ ኣሎ

5. ምስ መዝሙር 55:​22 ብኸመይ ምተሰማማዕና?

5 ክርስትያናት ጭንቀት ከቢድዎም መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ ዝደልዩ ካብ ቃል ኣምላኽ ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዘተኣማምን መምርሕን ከም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ከኣ በይንና ከም ዘይኮንናን መረጋገጺታት ይህበና። ንኣብነት ዳዊት እቲ ዘማሪ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሓድጎን” በለ። (መዝሙር 55:​22) ምስ እዘን ቃላት እዚአን ከመይ ኢልና ክንሰማማዕ ንኽእል? ኵሉ ጭንቀትና: ሽግርና: ፍርሕናን ጓህናን ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብምድርባይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ስምዒት ድሓንን ህድኣት ልብን ንኽህልወና ክሕግዘና ኢዩ።

6. ብመሰረት ፊልጲ 4:​6, 7 ጸሎት እንታይ ክገብረልና ይኽእል?

6 ኵሉ ጾርና ጭንቀትናውን ከይተረፈ ናብ የሆዋ ክንድርብዮ እንተደኣ ኴንና ስርዓታዊ ዝኾነ ልባዊ ጸሎት ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ኸኣ ውሽጣዊ ሰላም ከምጽኣልና ኢዩ: ከመይሲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ አምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ኢዩ ጽሒፉ። (ፊልጲ 4:​6, 7) እቲ መዋዳድርቲ ዘይብሉ “ሰላም አምላኽ”: እቲ ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ፈታኒ ዝኾነ ኵነታትውን ከይተረፈ ዘለዎም ዘይልሙድ ህድኣት ኢዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ጥብቂ ዝኾነ ምስ የሆዋ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ዝመጸ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ክንጽሊ ከሎናን ኣብ ህይወትና ክዓዪ ክንሓድጎ ከሎናን: ካብቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ግደላት ኣይንጋላገልን ኢና: በቲ ፍረ መንፈስ ዝኾነ ሰላም ግና ባህ ይብለና። (ሉቃስ 11:​13፣ ገላትያ 5:​22, 23) የሆዋ ንኹሎም እሙናት ኣገልገልቱ ‘ብደሓን የሕድሮም’ ከም ዝኾነን ነባሪ ጕድኣት ዘምጽኣልና ነገር ኣብ ልዕሌና ክፍጸም ከም ዘይሓድግን ስለ እንፈልጥ ብጭንቀት ኣይንዕብለልን ኢና።​—⁠መዝሙር 4:⁠8

7. ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ ክሕግዙና: ክርስትያን ሽማግለታት እንታይ ግደ ክህልዎም ይኽእል?

7 በቲ ጽሑፋት ነስተንትንን ብጸሎት ከኣ ንነቅሕን እኳ እንተኾንና እቲ ጭንቀት ገና እንተቐጸለኸ? (ሮሜ 12:​12) እቶም ኣብ ጉባኤ እትመዘዙ ሽማግለታትውን ብመንፈስ ዝሕግዙና ናይ የሆዋ ውህበት ኢዮም። ቃል ኣምላኽ ብምጥቃምን ምሳናን ምእንታናን ብምጽላይን ከጸናንዑናን ክድግፉናን ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 5:​13-16) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም መሸማግልቱ: ንመጓሰ ኣምላኽ ብፍታውን ብታሕጓስን ኣብነት ብምዃንን ክጓስዩ የማሕጽኖም። (1 ጴጥሮስ 5:​1-4) እዞም ሰባት እዚኣቶም ብልቢ ንሰናይና ኢዮም ዝሓስቡ: ክሕግዙ ኸኣ ኢዮም ዝደልዩ። ርግጽ ኢዩ ካብቲ ናይ ሽማግለታት ሓገዝ መሊእና ክንጥቀምን ኣብታ ጉባኤ ብመንፈስ ጽቡቕ ክንከይድን ንደሊ እንተኴንናን ኵልና ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ሂብዎ ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ከድልየና ኢዩ:- “ኣቱም መንእሰይ: ከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠5

8, 9. ካብ 1 ጴጥሮስ 5:​6–11 እንታይ ምጽንናዕ ክርከብ ምተኻእለ?

8 ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ: ንኹሉ [⁠ጭ⁠ን⁠ቀ⁠ት⁠ኩ⁠ም] ኣብኡ ኣውድቕዎ። ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ [ኾ]ይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ: ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም: ንሱ ኺፍጽመኩም: ኬጽንዓኩም: ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ። ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።”​—⁠1 ጴጥሮስ 5:​6-11

9 ‘ንሱ ይሓልየልና ምዃኑ ፈሊጥና ኵሉ ጭንቀትና ናብኡ ክንድርብዮስ’ ክንደይ ዘጸናንዕ ኢዩ! ገለ ካብቲ ጭንቀትና ብሰንኪ እቲ ድያብሎስ ነታ ምስ የሆዋ ዘላትና ርክብ ንምጥፋእ ዘምጽኣልና መስጐግትን ካልእ ስቅያትን ምስ ዝኸውንከ: ነቶም ንጽህናኦም ዝሕልዉ ኵሉ ነገር ንሰናይ ክልወጠሎም ምዃኑ ምፍላጥሲ ዘደንቕዶ ኣይኮነን? እወ: ንቍሩብ ግዜ ምስ ተሳቐና እቲ ኣምላኽ ናይዚ ኹሉ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ነቲ ምልምማድና ክውድኦ: ከጽንዓናን ከበርትዓናን ከኣ ኢዩ።

10. ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:​6, 7 ኣየኖት ንጭንቀት ኽንዋጽኣሉ ዝሕግዙና ሰለስተ ባህርያት ኢያ ኣሚታ ዘላ?

10 ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:​6, 7 ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ ዝሕግዙና ሰለስት ባህርያት ኣሚቱ ኣሎ። ሓንቲ ትሕትና ወይ ‘ናይ ኣእምሮ ትሕትና ኢያ:’ ቍጽሪ 6 ኣድላይነት ናይ ትዕግስቲ ንምግላጽ “ብጊዜኡ” ብእትብል ኣዘራርባ ትጅምር። ቍጽሪ 7 ከኣ ‘ስለ ዝሓልየልና’ ኵሉ ጭንቀትና ብትኣማንነት ናብኡ ክንድርብዮ ከም እንኽእል ተርእየና: እዘን ቃላት እዚአን ከኣ ምሉእ ትውክልቲ ኣብ የሆዋ ንኽንገብር የተባብዓና። ስለዚ ትሕትና: ትዕግስትን ምሉእ ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽን ከመይ ገይሩ ንጭንቀት ከም ዘፍኵሰልና ንርአ።

ትሕትና ብኸመይ ትሕግዝ

11. ትሕትና ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ እትሕግዘና ከመይ ኢላ ኢያ?

11 ትሑታት እንተደኣ ኴንና ሓሳብ ኣምላኽ ካብ ናትና ንላዕሊ ከም ዝኾነ ክንቅበሎ ኢና። (ኢሳይያስ 55:​8, 9) ትሕትና ምስቲ ሰፊሕ ኣረኣእያ ናይ የሆዋ ኣዋዳዲርካ ናትና ናይ ኣተሓሳስባ ክእለት ድሩት ምዃኑ ንኽንርዳእ ትሕግዘና። ከምቲ ኣብ ኵነታት ናይቲ ቅኑዕ ሰብኣይ እዮብ ዝተራእየ: የሆዋ ንሕና ዘይንርድኦ ነገራት ኢዩ ዝርኢ። (እዮብ 1:​7-12፣ 2:​1-6) “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ” ትሕት ብምባልና ምስቲ ዝለዓለ ልዑል ኣዋዳዲርካ ዘሎና ዝተሓተ ቦታ ኣፍልጦ ንህበሉ ኣሎና ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ ብግዲኡ ምስቲ ንሱ ዘፍቀዶ ኵነታት ንኽንጋጠም ይሕግዘና። ልብና ቕልጡፍ ዕረፍቲ ይደሊ ይኸውን: እንተኾነ ግን ባህርያት የሆዋ ፍጹም ሚዛን ዘለዎ ስለ ዝኾነ: መዓስን ብኸመይን ምእንታና ከም ዝዓዪ ይፈልጥ ኢዩ። ከም ንኣሽቱ ቆልዑት እምበኣር የሆዋ ነቲ ጭንቀትና ንኽንዋጽኣሉ ክሕግዘና ምዃኑ ብምትእምማን: ብትሕትና ኣብታ ጽንዕቲ ኢድ የሆዋ ንደገፍ።​—⁠ኢሳይያስ 41:​8-13

12. ነቲ ኣብ እብራውያን 13:​5 ዘሎ ቃላት ትሕት ኢልና ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ ብዛዕባ ንዋታዊ ድሕንነት ዘሎና ጭንቀት ብኸመይ ይትንከፍ?

12 ትሕትና እቲ ንጭንቀት ክንክየልካ ዝኽእል ምኽሪ ናይ ቃል አምላኽ ንምትግባር ፍቓደኛ ምዃንውን ዘጠቓለለት ኢያ። ንኣብነት ጭንቀትና ብሰንኪ ደድሕሪ ንዋታዊ ፍቕሪ ምስዓብና ዝመጸና እንተኾይኑ ነቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ክንሓስበሉ ጽቡቕ ኢዩ:- ‘ንሱ [ኣምላኽ] ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ’ ኢሉ ኢዩ እሞ: ‘ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን በቲ ዘሎኩም ዕገቡ።’ (እብራውያን 13:​5) ብዙሓት ብትሕትና ንኸምዚ ዝበለ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓሉ: ንገዛእ ርእሶም ካብ ዓቢ ጭንቀት ናይ ንዋታዊ ድሕንነት ሓራ ኴይኖም ኢዮም። ዋላኳ እቲ ፋይናንሳዊ ኵነታቶም እንተዘይተመሓየሸ ሓሳባቶም ብምቍጽጻር ግን ናብ መንፈሳዊ ወጽዓ ኣይመርሖምን ኢዩ።

ግደ ናይ ትዕግስቲ

13, 14. (ሀ) ብዛዕባ ትዕግስቲ ዘለዎ ምጽማም: እዮብ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ? (ለ) ኣብ የሆዋ ብትዕግስቲ ምጽባይ እንታይ ክገብረልና ይኽእል?

13 እታ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:​6 ዘላ “ብጊዜኡ” እትብል ኣዘራርባ ኣድላይነት ናይ ትዕግስቲ ዘለዎ ምጽማም ትሕብረልና። ሓድ ሓደ ግዜ እቲ ሽግር ንነዊሕ ግዜ ይቕጽል እሞ እዚ ኸኣ ጭንቀት ከም ዝበዝሕ ይገብር። ብሕልፊ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ክንሓድጎ ዘድሊ። ወደ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም: እግዚአብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚአብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም።” (ያእቆብ 5:​11) እዮብ ናይ ኤኮኖሚ ዕንወት: ሞት ናይ ዓሰርተ ደቂ: ዝጽላእ ሕማምን ብጌጋ ኸኣ ብሓሰውቲ መጸናናዕቲ ምኹናንን ተጓነፎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ብውሑዱ ገለ ደረጃ ናይ ጭንቀት ከተርኢ ግድን ኢዩ።

14 ዝኾነ ኾይኑ እዮብ ብትዕግስቲ ዘለዎ ምጽማም ኣብነት ኢዩ ነይሩ። ከቢድ ናይ እምነት ፈተና ይጓነፈና እንተ ደኣ ኣልዩ ከምቲ ንሱውን ዝደልዮ ዝነበረ: ክንዓርፍ ንጽበ ንኸውን። ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣምላኽ ንእዮብ ካብ ስቅያቱ ብምውጻእን ኣብዚሑ ብምብራኽን ኣብ ክንድኡ ዓዩ ኢዩ። (እዮብ 42:​10-17) ብትዕግስቲ ንየሆዋ ምጽባይ ምጽማም የማዕብለልና: ዕምቈት ናይቲ ንዕኡ ዘሎና ተወፋይነት ከኣ ይገልጽ።​—⁠ያእቆብ 1:​2-4

ኣብ የሆዋ ተወከል

15. ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ክህልወና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ?

15 ጴጥሮስ ንብጾቱ ኣመንቲ ‘ይሓልየሎም ስለ ዝኾነ ንኹሉ [ጭንቀቶም] ኣብ ኣምላኽ ከውድቕዎ’ ተማሕጸኖም። (1 ጴጥሮስ 5:​7) ስለዚ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ክህልወና ይኽእል ኢዩ: ክህልወናውን ኣለዎ። ምሳሌ 3:​5, 6 ከምዚ ይብል:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚአብሄር ተኣመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣካይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።” ብምኽንያት ዝሓለፈ ተመኵሮታቶም ጭንቀት ዝበዝሖም ሰባት ናብ ካልኦት ሰባት ክውከሉ ኣሸጋሪ ይኾኖም። ናብቲ ምንጪ ናይ ህይወትናን ዓንጋሊኣን ዝኾነ ፈጣሪና ክንውከል ግን ብርግጽ ምኽንያት ኣሎና። ምንም እኳ ሓድ ሓደ ግዜ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና መልሲ ኣብ ገለ ጉዳይ ዘይንኣምነሉ እንተኾንና: የሆዋ ካብቲ ወሪዱና ዘሎ መከራ ከም ዘውጽኣና ኩሉ ግዜ ክንጸበ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 34:​18, 19፣ 36:​9፣ 56:​3, 4

16. ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ምጭናቕ የሱስ እንታይ በለ?

16 ኣብ ኣምላኽ ምውካል ነቲ ካብ ኣቡኡ እተማህሮ ዝማሃረ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ምእዛዝውን ዘጠቓለለ ኢዩ። (ዮሃንስ 7:​16) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ንየሆዋ ብምግልጋል ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ክእክቡ’ ተማሕጸኖም። ብዛዕባ መግቢ: ክዳን: መዕቆቢ ዝምልከት ስጋዊ ድሌትከ ደኣ? የሱስ “ኣይትጨነቑ” ኢሉ መዓደ። ኣምላኽ ነዕዋፍ ከም ዝምግበን ኣመልከተ። ንዕምባባታት ከኣ ብጽቡቕ ይኸድኖም። ሰብኣውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብዚኣቶም ንላዕሊዶ ኣይኮኑን? ብርግጽ ኢዮም። ስለዚ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ [ኹ]ሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ ተላበዎም። ቀጺሉ ድማ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” በለ። (ማቴዎስ 6:​20, 25-34) እወ መግቢ: ዝስተ: ዝኽደንን መዕቆብን የድልየና ኢዩ: ኣብ የሆዋ ንውከል እንተደኣ ኴንና ግን ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኣቶም ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣይንጭነቕን ኢና።

17. ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ኣድላዪ ከም ዝኾነ እንታይ ምሳሌ ምሃብና?

17 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ነቲ ቀዳምነት ዘድልዮ ነገራት ከኣ ብግቡእ ክንሰርዖን ከድልየና ኢዩ። ናይ መተንፈሲ ኣቑሑት ዘይብሉ ሓንባሳይ: ሉል ዘለዋ ኦይስተር ንምድላይ ትሕቲ ማይ ይኣቱ ይኸውን። እዚ ስድራቤቱ ዝኣልየሉ መገዲ ኢዩ። ብሓቂ ቀዳምነት ዘድልዮ ነገር! ዝያዳ ኣገዳሲ ግን እንታይ ኢዩ? ኣየር ! ጸጸኒሑ ሳንብኡ ኣየር ንምምላእ ካብ ውሽጢ እቲ ማይ ምውጻእ ከድልዮ ኢዩ። ኣየር ዝያዳ ቀዳምነት ዘድልዮ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ንምንባር ኣድላዪ ዝኾነ ነገራት ንምርካብ ምስ እዚ ኣገባብ እዚ ብገለ መገዲ ንሕወስ ኢና። ዝኾነ ኾይኑ ግን መንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክወሃብ ኣለዎ: ምኽንያቱ ናይ ቤትና ህይወት ንርእሱ ኣብኡ ዝተመርኮሰ ኢዩ። ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘየድሊ ጭንቀት ምእንቲ ከይነሕድር: ምሉእ ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽ ክህልወና ኣለዎ። ብተወሳኺውን ‘ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ምስ እንኸውን’ “ሓጐስ እግዚአብሄር” ሓይልና እናኾነ ይኸይድ እሞ ነቲ ዘሎና ጭንቀት ከፍኵሰልና ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​58፣ ነህምያ 8:​10

ጭንቀትካ ኣብ የሆዋ ምድርባይ ቀጽል

18. ኵሉ ጭንቀትካ ኣብ የሆዋ ምድርባይ ብሓቂ ከም ዝሕግዝ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ?

18 ኵሉ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እነተኵር ኴንና ምእንቲ ክንርከብ: ንጭንቀትና ኣብ የሆዋ ምድርባይ ክንቅጽል ኣሎና። ነገልገልቱ ከም ዝግደሰሎም ኵሉ ግዜ ንዘክር። ንምሳሌ:- ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ብምኽንያት ናይ ሰብኣያ ዘይእሙን ምዃን ክሳዕ ድቃስ ዝኣብያ ጭንቀት እናበርትዓ ኸደ። (ምስ መዝሙር 119:​28 ኣነጻጽሮ።) ኣብ ዓራታ ኰይና ግን ዘለዋ ኹሉ ጭንቀት ኣብ የሆዋ ትድርብዩ። ንኣምላኽ ከኣ እቲ ንሳን ክልቲአን ደቃን ዘሕልፍኦ ዝነበራ ስቓይ ልባ ቀሊዓ ተፍስሰሉ። ብዓሚቍ ጸሎት ገይራ ዕረፍቲ ምስ ለመነት ከኣ የሆዋ ንዓኣን ንደቃን ክሓልየለን ከም ዝኾነ ስለ እትትኣማመን ትድቅስ ነይራ። እዛ ሕጂ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እተፋትሐት ሰበይቲ: ንሓደ ሽማግለ ተመርዕያ ተሓጒሳ ትነብር ኣላ።

19, 20. (a) ገለ ካብቲ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ እንኽእል መገድታት እንታይ ኢዩ? (ለ) ምስ ኵሉ ጭንቀትና እንታይ ምግባር ኢና ክንቅጽል ዘሎና?

19 ከም ህዝቢ የሆዋ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ እንኽእል እተፈላለየ መገዲ ኣሎ። ብሕልፊ ቃል ኣምላኽ ምትግባር ሓጋዚ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ በቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ገይሩ ዝሃበና ሃብታም መንፈሳዊ መግብን እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ዝወጽእ ሓጋዚ ዓንቀጻትን ኣሎና። (ማቴዎስ 24:​45-47) ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስውን ኣሎና። ስርዓታውን ዓሚቍን ጸሎት ከኣ ኣጸቢቑ ይጠቕመና ኢዩ። እተመዘዙ ክርስትያን ሽማግለታት ከኣ መንፈሳዊ ሓገዝን ምጽንናዕን ንኽህቡና ድልዋትን ፍቓደኛታትን ኢዮም።

20 ነቲ ዝጓነፈና ጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእስና ትሕትናን ትዕግስትን ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ብሕልፊ ምሉእ ትውክልቲ ኣብ የሆዋ ምግባር ኣገዳሲ ኢዩ: ምኽንያቱ መምርሕን ሓገዝን ናይ የሆዋ እናረኸብና ክንከይድ ከሎና እምነትና እናማዕበለት ኢያ እትኸይድ። እምነት ኣብ ኣምላኽ ከኣ ብግዲኣ ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዘይንሽገር ትገብረና። (ዮሃንስ 14:⁠1) እምነት: ቅድም ነታ መንግስቲ ከም እንደልን: ኣብ ዕዮ ጐይታ ኸኣ ትሑዛት ከም እንኸውንን ትገብረና: እዚ ኸኣ ንጭንቀት ኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና። ከምዚ ዝበለ ዕዮ ኣብ መንጎ እቶም ንዘለኣለም ናይ ኣምላኽ ውዳሴ ዝዝምሩ ድሓን ከም ዝስምዓና ይገብረና። (መዝሙር 104:​33) ስለዚ እምበኣር ኵሉ ጭንቀትና ኣብ የሆዋ ምድርባይ ንቐጽል።

ከመይ ኢልካ ምመለስካ?

◻ ጭንቀት ብኸመይ ይግለጽ?

◻ ገለ ካብቲ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ እንኽእል መገድታት እንታይ ኢዮም?

◻ ትሕትናን ትዕግስትን ከመይ ኢሉ ኢዩ ጭንቀት ዘፍኵሰልና?

◻ ጭንቀት ክትዋጽኣሉ ከሎኻ ምሉእ ትውክልቲ ኣብ የሆዋ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

◻ ኵሉ ጭንቀትና ኣብ የሆዋ ምድርባይ ክንቅጽል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ስለምንታይ “ኣይትጨነቑ ” ከም ዝበለ ትፈልጥዶ?

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ