ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 መስከረም ገጽ 3-16
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመላ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ጌርካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ፧
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 መስከረም ገጽ 3-16
ሰብ ሓዳር ነታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒሞም ንሓደ ኣብ ደው መበሊ ኣውቶቡስ ዘሎ ሰብኣይ የዘራርብዎ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመላ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዚጠቕማ ሓዳስ ብሮሹርን ሓዳስ መጽሓፍን ብምርካብና ኣዚና ተሓጒስና ኢና። የሆዋ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እንገብሮ ጻዕሪ ኺባርኸልና ጸሎትና እዩ። (ማቴ 28:18-20፣ 1ቈረ 3:6-9) ነዘን ሓደስቲ ናውቲ ብኸመይ ክንጥቀመለን ንኽእል፧

እዛ ኣሳታፊት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ሓድሽ ኣመሃህራ ሜላ ስለ ዘለዋ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዳሎ ኸሎኻን ክትመርሕ ከሎኻን፡ ነዚ ዚስዕብ ሓፈሻዊ መምርሒ ስዓብ።a

  • ነቲ ጽሑፍ ኣንብቦ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሕቶታት ተመያየጥሉ

  • ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታት ኣንብቦ፡ ድሕሪኡ፡ ተምሃራይካ ንኣወዓዕላ እቲ ጥቕሲ ኺርድኦ ሓግዞ

  • ቪድዮታት ኣጻውት እሞ፡ በቲ ነቲ ቪድዮ እተዳለወ ሕቶታት ተመያየጡ

  • ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ሓደ ትምህርቲ ኽትሽፍን ጽዓር

ኣብ ኣገልግሎት ተገዳስነት ሓደ ሰብ ንምፍላጥ፡ ፈለማ ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ። (ነታ “ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እተበርክት” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሳጹን ርአ።) ነታ ብሮሹር ብሓባር ኣጽኒዕኩም እንተ ወዲእኩምን እቲ ተምሃራይ ኪቕጽል እንተ ደልዩን ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ እሞ፡ ካብ ትምህርቲ 04 ጀምሩ። በታ ይምህረና ወይ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተ ኣሊኻ፡ ናብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ስገር እሞ፡ ካበይ ከም እትጅምር ወስን።

ሰብ ሓዳር ነታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒሞም ንሓደ ኣብ ደው መበሊ ኣውቶቡስ ዘሎ ሰብኣይ የዘራርብዎ።

ነታ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ተምሃሮ ኻብዛ ሓዳስ መጽሓፍ እንታይ እዮም ኪምሃሩ፧

  • ነዛ ቪድዮ ንሓደስቲ ተምሃሮ ኸተርእዮም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ንተምሃራካ እንታይ ሸቶ ኼውጽእን ኪበጽሖን ኢኻ በብቝሩብ እተተባብዖ፧ (ነታ “ነንኽፍሉ እተዳለወ ኣትኵሮን ሸቶን” እትብል ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሰሌዳ ርአ።)

a ኣስተብህል፦ እቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋል ከም ኣማራጺ ኺጽናዕ እተዳለወ እኳ እንተዀነ፡ ክትዳሎ ኸሎኻ ግዜ ወሲድካ ኣንብቦን ርኣዮን። ከምኡ እንተ ጌርካ ንተምሃራይካ ዝያዳ ዚስሕቦ ወይ ኪሕግዞ ዚኽእል ኣየናይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ። እቲ ኤለክትሮኒካዊ ሕታም ናብ ቪድዮታትን ተወሳኺ ሕታማትን ዚመርሕ ሊንክ ኣለዎ።

ነንኽፍሉ እተዳለወ ኣትኵሮን ሸቶን

 

ትምህርቲ

ኣትኵሮ

ሸቶታት ተምሃራይ

1

01-12

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእልን ንደራሲኡ ብኸመይ ክትፈልጦ ኸም እትኽእልን ርአ

ንተምሃራይካ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብን ንመጽናዕቲ ኺዳሎን ኣኼባታት ጉባኤ ኺጅምርን ኣተባብዓዮ

2

13-33

ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረልናን እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ንዕኡ ባህ ከም ዜብሎን ርአ

ንተምሃራይካ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ኪነግርን ኣስፋሒ ኪኸውንን ኣተባብዓዮ

3

34-47

ኣምላኽ ካብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚጽበ ርአ

ንተምሃራይካ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፍን ኪጥመቕን ኣተባብዓዮ

4

48-60

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትጸንዕ ተምሃር

ንተምሃራይካ ቕኑዕን ጌጋን ኪፈልን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብርን ምሃሮ

ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እተበርክት

ልክዕ ከምቲ ኣብ ትራክትታትና ዘሎ፡ ኣብ ድሕሪት ገበር እታ ብሮሹር እውን መሳጢ ሕቶ ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

  • ነታ ኣማራጺ መልስታት ዘለዋ ሕቶ ሕተት

  • ኣብ መዝሙር 37:29 ዚርከብ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ

  • በቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል” ዚብል ነጥብታት ኣመያይጦ። ግዜ ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ጥቕስታት ኣንብበሉን ነቲ ስእልታት ኣጕልሓሉን

  • ነቲ ኣብ ታሕቲ እታ ገጽ ዘሎ ሕቶ መልሰሉ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ብትምህርቲ ሓደ ምይይጥ ጀምሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ