ክርስትያናዊ ህይወት
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመላ
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዚጠቕማ ሓዳስ ብሮሹርን ሓዳስ መጽሓፍን ብምርካብና ኣዚና ተሓጒስና ኢና። የሆዋ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እንገብሮ ጻዕሪ ኺባርኸልና ጸሎትና እዩ። (ማቴ 28:18-20፣ 1ቈረ 3:6-9) ነዘን ሓደስቲ ናውቲ ብኸመይ ክንጥቀመለን ንኽእል፧
እዛ ኣሳታፊት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ሓድሽ ኣመሃህራ ሜላ ስለ ዘለዋ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዳሎ ኸሎኻን ክትመርሕ ከሎኻን፡ ነዚ ዚስዕብ ሓፈሻዊ መምርሒ ስዓብ።a
ነቲ ጽሑፍ ኣንብቦ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሕቶታት ተመያየጥሉ
ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታት ኣንብቦ፡ ድሕሪኡ፡ ተምሃራይካ ንኣወዓዕላ እቲ ጥቕሲ ኺርድኦ ሓግዞ
ቪድዮታት ኣጻውት እሞ፡ በቲ ነቲ ቪድዮ እተዳለወ ሕቶታት ተመያየጡ
ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ሓደ ትምህርቲ ኽትሽፍን ጽዓር
ኣብ ኣገልግሎት ተገዳስነት ሓደ ሰብ ንምፍላጥ፡ ፈለማ ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ። (ነታ “ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እተበርክት” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሳጹን ርአ።) ነታ ብሮሹር ብሓባር ኣጽኒዕኩም እንተ ወዲእኩምን እቲ ተምሃራይ ኪቕጽል እንተ ደልዩን ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ እሞ፡ ካብ ትምህርቲ 04 ጀምሩ። በታ ይምህረና ወይ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተ ኣሊኻ፡ ናብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ስገር እሞ፡ ካበይ ከም እትጅምር ወስን።
ነታ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ተምሃሮ ኻብዛ ሓዳስ መጽሓፍ እንታይ እዮም ኪምሃሩ፧
ነዛ ቪድዮ ንሓደስቲ ተምሃሮ ኸተርእዮም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
ንተምሃራካ እንታይ ሸቶ ኼውጽእን ኪበጽሖን ኢኻ በብቝሩብ እተተባብዖ፧ (ነታ “ነንኽፍሉ እተዳለወ ኣትኵሮን ሸቶን” እትብል ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሰሌዳ ርአ።)
a ኣስተብህል፦ እቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋል ከም ኣማራጺ ኺጽናዕ እተዳለወ እኳ እንተዀነ፡ ክትዳሎ ኸሎኻ ግዜ ወሲድካ ኣንብቦን ርኣዮን። ከምኡ እንተ ጌርካ ንተምሃራይካ ዝያዳ ዚስሕቦ ወይ ኪሕግዞ ዚኽእል ኣየናይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ። እቲ ኤለክትሮኒካዊ ሕታም ናብ ቪድዮታትን ተወሳኺ ሕታማትን ዚመርሕ ሊንክ ኣለዎ።
ነንኽፍሉ እተዳለወ ኣትኵሮን ሸቶን |
|||
|---|---|---|---|
ትምህርቲ |
ኣትኵሮ |
ሸቶታት ተምሃራይ |
|
01-12 |
መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእልን ንደራሲኡ ብኸመይ ክትፈልጦ ኸም እትኽእልን ርአ |
ንተምሃራይካ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብን ንመጽናዕቲ ኺዳሎን ኣኼባታት ጉባኤ ኺጅምርን ኣተባብዓዮ |
|
13-33 |
ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረልናን እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ንዕኡ ባህ ከም ዜብሎን ርአ |
ንተምሃራይካ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ኪነግርን ኣስፋሒ ኪኸውንን ኣተባብዓዮ |
|
34-47 |
ኣምላኽ ካብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚጽበ ርአ |
ንተምሃራይካ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፍን ኪጥመቕን ኣተባብዓዮ |
|
48-60 |
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትጸንዕ ተምሃር |
ንተምሃራይካ ቕኑዕን ጌጋን ኪፈልን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብርን ምሃሮ |
|