ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ጥሪ ገጽ 7
  • የሆዋ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅረካ ተኣማመን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅረካ ተኣማመን
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ዕዮ ረድኤት ኣብ 2021—ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይተሓድጉን
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ንግዳያት ሓደጋታት እተዋህበ ረድኤት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ጥሪ ገጽ 7
ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ እተዋህቦም ረድኤት ሒዞም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኢሎም።

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅረካ ተኣማመን

የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ። (ኢሳ 43:4) ከመይሲ፡ ናብኡ ናብ ውድቡን ስሒቡካ እዩ። ርእስኻ ስለ ዝወፈኻን ስለ እተጠመቕካን ከኣ ናይ የሆዋ ኢኻ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ከም ፍሉይ ጥሪቱ ገይሩ እዩ ዚሕዘካ። ብውድቡ ኣቢሉ ነታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ የርእየካ እዩ።—መዝ 25:10።

እቲ ውድብ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝሃበቶ ምላሽ፡ ነቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸነዕሙቖ ይሕግዘና እዩ።

ነታ ጸብጻብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ 2019 ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ጸብጻብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ 2019” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣባላት ኮሚተ ረድኤት ሓደጋ፡ ምስቶም ብባህርያዊ ሓደጋ እተጐድኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ይዘራረቡ።

    ኮሚተ ኣተሓባበርቲ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘለዋ ኣብያተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንባህርያዊ ሓደጋ ምላሽ ኪህባ መሰናድዎ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

  • “ጸብጻብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ 2019” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኣሕዋት ብባህርያዊ ሓደጋ ንዝዓነወ ቤት ይሃንጹ።

    ውድብ የሆዋ ኣብ ኢንዶነዥያን ናይጀርያን መምርሕን ረድኤትን ዝሃበት ብኸመይ እያ፧

  • “ጸብጻብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ 2019” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ብስተተስኮፕ ተጠቒማ ንሓንቲ ሕምምቲ መርመራ ትገብረላ።

    ካብቲ ውድብ የሆዋ ንለበዳ ኮቪድ-19 ዚምልከት ዝሃበቶ ምላሽ ዝመሰጠካ እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ