ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅረካ ተኣማመን
የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ። (ኢሳ 43:4) ከመይሲ፡ ናብኡ ናብ ውድቡን ስሒቡካ እዩ። ርእስኻ ስለ ዝወፈኻን ስለ እተጠመቕካን ከኣ ናይ የሆዋ ኢኻ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ከም ፍሉይ ጥሪቱ ገይሩ እዩ ዚሕዘካ። ብውድቡ ኣቢሉ ነታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ የርእየካ እዩ።—መዝ 25:10።
እቲ ውድብ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝሃበቶ ምላሽ፡ ነቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸነዕሙቖ ይሕግዘና እዩ።
ነታ ጸብጻብ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ 2019 ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኮሚተ ኣተሓባበርቲ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘለዋ ኣብያተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንባህርያዊ ሓደጋ ምላሽ ኪህባ መሰናድዎ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧
ውድብ የሆዋ ኣብ ኢንዶነዥያን ናይጀርያን መምርሕን ረድኤትን ዝሃበት ብኸመይ እያ፧
ካብቲ ውድብ የሆዋ ንለበዳ ኮቪድ-19 ዚምልከት ዝሃበቶ ምላሽ ዝመሰጠካ እንታይ እዩ፧