ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ሓምለ ገጽ 15
  • የሆዋ ንጸሎትካ ብኸመይ ከም ዝመለሶ ተስተብህል ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንጸሎትካ ብኸመይ ከም ዝመለሶ ተስተብህል ዲኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሆዋ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ሓምለ ገጽ 15
ሓንቲ ሓብቲ ትጽሊ። መጽሓፍ ቅዱሳ ድማ ኣብ ጥቓ ኣብ ሰደቓ ተቐሚጡ።

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ንጸሎትካ ብኸመይ ከም ዝመለሶ ተስተብህል ዲኻ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣብነት ዚኸውን የሆዋ ዝመለሶ ጸሎት ይርከብ እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጭንቀቶም ሰሚዑ ኸም ዝሓገዞም ምስ ረኣዩ፡ እምነቶም ኣዝያ ደልዲላ እያ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ጕዳይ ብንጹር ምስ ጸለና፡ የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ከም ዝመለሶ ምስትብሃልና ጽቡቕ እዩ። እቲ የሆዋ ዚህበና መልሲ ኻብቲ ዝሓሰብናዮ እተፈልየ፡ ወይ ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይንረስዕ። (2ቈረ 12:7-9፣ ኤፌ 3:20) የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ኪምልሶ ይኽእል፧

  • ጸገም ምእንቲ ኽንሰግር ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ወይ ብመንፈሳዊ ኸም እንሕይል ብምግባር።—ፊል 4:13

  • ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኽንገብር ጥበብ ብምሃብ።—ያእ 1:5

  • ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ።—ፊል 2:13

  • ክንጭነቕ ከለና ኸም እንሃድእ ብምግባር።—ፊል 4:6, 7

  • ካልኦት ብኣካላዊ ወይ ብስምዒታዊ ኸም ዚሕግዙና ብምግባር።—1ዮሃ 3:17, 18

  • ነቶም እንጽልየሎም ብምሕጋዝ።—ግብ 12:5, 11

ነታ የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ዓቕምና እንተ ተደሪቱ፡ ተመክሮ ሓውና ሺሚዙ ኼተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • ንኣብነት ሓውና ሺሚዙ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ