ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ሕዳር ገጽ 20-25
  • የሆዋ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንጽበ ዚግባእ፧
  • የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧
  • ንገሊኡ ልማኖታትና ኸነዐርዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ትሕዝቶ ጸሎትና ነመሓይሽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ሕዳር ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49

የሆዋ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧

“ክትጽውዑንን ናባይ መጺእኩም ክትጽልዩን ኢኹም፣ ኣነ እውን ክሰምዓኩም እየ።”—ኤር. 29:12።

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

መላለዪa

1-2. የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዘይመለሰልና ዀይኑ ኺስምዓና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

“ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣ ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ።” (መዝ. 37:4) እዚ ብሓቂ ባህ ዜብል ቃላት እዩ! ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ዝሓተትናዮ ዘበለ ዅሉ ብኡብኡ ኺህበና ዲና ኽንጽበ ዘሎና፧ ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኢልና እንሓትት፧ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እስከ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ሓንቲ ዘይተመርዓወት ሓብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክትምሃር ጸለየት። እንተዀነ ግና፡ ዓመታት ምስ ሓለፈ እኳ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኣይተጸውዐትን። ሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ ጉባኤ ብዝያዳ ምእንቲ ኼገልግል ኢሉ፡ ካብ ከቢድ ሕማሙ እፎይታ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸለየ። እንተዀነ ግና፡ ጥዕናኡ ኣይተመሓየሸን። ክርስትያን ወለዲ፡ ውሉዶም ኣብ ሓቂ ምእንቲ ኺጸንዕ ጸለዩ። እንተዀነ ግና፡ ውሉዶም ንየሆዋ ምግልጋል ኪሓድጎ ወሰነ።

2 ምናልባት ንስኻ እውን ንየሆዋ ሓደ ነገር ኪገብረልካ ለሚንካዮስ ከምቲ እተጸበኻዮ ኣይረኸብካን ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሆዋ ናይ ገሊኦም ጸሎት ከም ዚምልሶ፡ ናትካ ግና ከም ዘይምልሶ ተሰሚዑካ ይኸውን። ወይ ድማ ገለ ጌጋ ኸም ዝገበርካ ጌርካ ሓሲብካ ትኸውን። ጃኒስb ዝስማ ሓብቲ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ንሳን ሰብኣያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ዘለዎም ድሌት ጸለዩ። ጃኒስ፡ “ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ቤት-ኤል እንጽዋዕ እዩ መሲሉኒ ነይሩ” ትብል። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሰብ ሓዳር ናብ ቤት-ኤል ከይተጸውዑ ኣዋርሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓመታት ሓለፈ። ብዛዕባ እዚ ጃኒስ ከምዚ ትብል፦ “በዚ ጕህየን ተደናጊረን እየ። ንየሆዋ ዜጕሂ ነገር ከም ዝገበርኩ ገይረ እውን ሓሲበ እየ። መምርሒኡ ኺህበኒ ፈልየ ብምጥቃስ ጸልየ እየ። ስለምንታይ እዩ ንጸሎተይ ዘይመለሰለይ፧”

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ንጸሎትና ይሰምዖ እንተ ኣልዩ ንሓስብ ንኸውን። ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት እኳ እዚ ነገር እዚ ኣተሓሳሲብዎም ነይሩ እዩ። (እዮ. 30:20፣ መዝ. 22:2፣ ኣን. 1:2) እሞ ደኣ የሆዋ ንጸሎትካ ምላሽ ከም ዚህበካ ብኸመይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧ (መዝ. 65:2) ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ንምሃብ፡ ፈለማ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኣሎና፦ (1) ካብ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንጽበ ዚግባእ፧ (2) የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ (3) ንገሊኡ ልማኖታትና ኸነዐርዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ካብ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንጽበ ዚግባእ፧

4. ብመሰረት ኤርምያስ 29:12፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ቓል ኣትዩ ዘሎ፧

4 የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚስምዖ ቓል ኣትዩልና እዩ። (ኤርምያስ 29:12 ኣንብብ።) ኣምላኽና ንእሙናት ኣምለኽቱ ስለ ዜፍቅሮም፡ ንጸሎቶም ከቶ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። (መዝ. 10:17፣ 37:28) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሉ ልማኖና ይህበና ማለት ኣይኰነን። ገሊኡ ልማኖና ምእንቲ ኺውሃበና፡ ክሳዕ ሓዳስ ዓለም ክንጽበ የድልየና ይኸውን።

5. የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ ኸሎ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ፧ ግለጽ።

5 የሆዋ፡ ልማኖና ምስቲ ሓፈሻዊ ዕላማኡ ብኸመይ ከም ዚዛመድ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) ሓደ ኽፋል እቲ ዕላማኡ፡ ንምድሪ ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝኣቱ ብሓጐስን ብሓድነትን ብዝሰመሩ ሰብኡትን ኣንስትን ምምላእ እዩ። ሰይጣን፡ ደቂ ሰብ ባዕሎም ገዛእ ርእሶም እንተ ኣመሓደሩ ኸም ዚሓይሽ እዩ ዚማጐት። (ዘፍ. 3:1-5) ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ምእንቲ ኺረጋገጽ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ባዕሎም ገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ፈቒዱሎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ብዙሕ ጸገማት እዩ ኣምጺኡ። (መክ. 8:9) የሆዋ ንዅሉ እዚ ጸገማት ኣብዚ ግዜ እዚ ኸም ዘየወግዶ ንፈልጥ ኢና። ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኺዓዪ ኸም ዚኽእል፡ ንጸገማት ደቂ ሰብ እውን ከም ዚፈትሕ ገይሮም ምሓሰቡ ነይሮም።

6. የሆዋ ወትሩ ፍቕራውን ፍትሓውን ነገር ከም ዚገብር ክንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 የሆዋ ንተመሳሳሊ ልማኖታት ብእተፈላለየ መገዲ ኺምልስ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ህዝቅያስ ኣመና ሓሚሙ ነበረ፣ ምእንቲ ኺሓዊ ድማ ንየሆዋ ለመኖ። የሆዋ ኸኣ ካብ ሕማሙ ኣሕወዮ። (2 ነገ. 20:1-6) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ፡ ነቲ ናይ ጥዕና ጸገም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ እሾዅ’ ኬወግደሉ ምስ ለመኖ፡ የሆዋ ነቲ ጸገም እቲ ኣየርሓቐሉን። (2 ቈረ. 12:7-9) ንሃዋርያ ያእቆብን ንሃዋርያ ጴጥሮስን ዘጋጠሞም እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንጉስ ሄሮድስ ንኽልቲኦም ኪቐትሎም ሓሊኑ ነበረ። እታ ጉባኤ ድማ ምእንቲ ጴጥሮስ ጸለየት፣ ምእንቲ ያእቆብ እውን ጸልያ ኽትከውን ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ ያእቆብ ተቐትለ፡ ጴጥሮስ ግና ብተኣምራዊ መገዲ ደሓነ። (ግብ. 12:1-11) ስለዚ፡ ‘የሆዋ ንጴጥሮስ ኣድሒኑ፡ ንያእቆብ ዘየድሓኖ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ምላሽ ኣይህበናን እዩ።c መገድታት የሆዋ ፍትሓዊ ምዃኑ፡ “ከቶ ዘይዕምጽ” ኣምላኽ እውን ከም ዝዀነ ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዘዳ. 32:4) ጴጥሮስን ያእቆብን ሞገስ የሆዋ ኸም ዝረኸቡ እውን ንፈልጥ ኢና። (ራእ. 21:14) ሓድሓደ ግዜ፡ ንልማኖና ዘይተጸበናዮ ምላሽ ንረክብ ንኸውን። የሆዋ ንጸሎትና ዚህቦ ምላሽ ወትሩ ፍቕራውን ፍትሓውን ከም ዝዀነ ስለ እንኣምን ግና፡ ንውሳነኡ ኣብ ሕቶ ኣይነእትዎን ኢና።—እዮ. 33:13።

7. እንታይ ካብ ምግባር ኢና ኽንቍጠብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

7 ኵነታትና ምስ ናይ ካልኦት ከነወዳድር የብልናን። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ሓደ ነገር ኪገብረልና ንልምኖ ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ ልማኖና ኣይገብረልናን ይኸውን። ድሕርዚ፡ ካልእ ሰብ ተመሳሳሊ ልማኖ ኣቕሪቡስ፡ የሆዋ ኸምቲ ልማኖኡ ዝገበረሉ ይመስለና ይኸውን። ኣና ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ እያ ኣሕሊፋ። ንሳ፡ ሰብኣያ ማትዩ ኻብ ሕማም መንሽሮ ኺሓዊ ጸለየት። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፡ ክልተ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣሓት ምስ ሕማም መንሽሮ ይቃለሳ ነበራ። ኣና ድማ ምእንቲ ማትዩን ምእንቲ እተን ኣሓትን ብጽኑዕ ጸለየት። እተን ኣሓት ካብ ሕማመን ደሓና፣ ማትዩ ግና በቲ ሕማም ሞተ። ኣብ ፈለማ፡ ኣና፡ ነተን ኣሓት ዘሕወየን ብሓቂ የሆዋ እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዕላ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ሰብኣያ ኺሓዊ ዘቕረበቶ ጸሎት ስለምንታይ እዩ ምላሽ ዘይረኸበ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እተን ክልተ ኣሓት ብኸመይ ከም ዝሓወያ ኣይንፈልጥን ኢና። የሆዋ ንዅሉ መከራ ንምውጋድ ቀዋሚ ፍታሕ ከም ዘለዎ ግና ንፈልጥ ኢና። ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ፈተውቱ ኼተንስኦም እውን ይናፍቕ እዩ።—እዮ. 14:15።

8. (ሀ) ብመሰረት ኢሳይያስ 43:2፡ ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚድግፈና፧ (ለ) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ጸሎት ጸገማትና ኽንጻወር ይሕግዘና ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።)

8 የሆዋ ወትሩ ይድግፈና እዩ። እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ፡ ስቓይና ኺርኢ ኣይደልን እዩ። (ኢሳ. 63:9) ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ምስ ኣፍላግ ወይ ምስ ሃልሃልታ ሓዊ ኺመሳሰል ዚኽእል ፈተናታትና ኣየወግዶን እዩ። (ኢሳይያስ 43:2 ኣንብብ።) ‘ክንሓልፎ’ ወይ ‘ክንሰግሮ’ ከም ዚሕግዘና ግና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። ሕጂ እነሕልፎ ፈተናታት ብዘየገድስ ድማ፡ ነባሪ ጕድኣት ኪወርደና ኣይፈቅድን እዩ። ብዘይካዚ፡ ንፈተናታትና ምእንቲ ኽንጻወሮ ኢሉ፡ እቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ። (ሉቃ. 11:13፣ ፊል. 4:13) ስለዚ፡ ንዜጋጥመና ጸገማት ንምጽዋርን ብተኣማንነት ጸኒዕና ንምቕጻልን ዜድልየና ዘበለ ወትሩ ብልክዕ ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።d

የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧

9. ብመሰረት ያእቆብ 1:6, 7፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ኽንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 የሆዋ ብእኡ ኽንኣምን ይጽበየና እዩ። (እብ. 11:6) ሓድሓደ ግዜ፡ ፈተናታትና ዘይስገር ኪመስለና ይኽእል እዩ። የሆዋ ኺሕግዘና እንተ ዀይኑ እውን ጥርጣረ ኺሓድረና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብሓይሊ የሆዋ ‘መንደቕ ክንሓኵር’ ከም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 18:29) ስለዚ፡ ብጥርጣረ ኣብ ክንዲ እንስነፍ፡ የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚምልሶ ምሉእ እምነት ኪህልወና ንጸሊ።—ያእቆብ 1:6, 7 ኣንብብ።

10. ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ብኸመይ ክንዓዪ ኸም ዘሎና ብምሳሌ ኣረድእ።

10 የሆዋ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንዓዪ ይጽበየና እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ኣብ ኣኼባ ዞባ ኺእከብ ስለ ዝደለየ፡ ካብ ዓለማዊ ስራሑ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ይልምን ይኸውን። እሞ ደኣ የሆዋ ንጸሎቱ ብኸመይ ኪምልሰሉ ይኽእል፧ ንኣስራሒኡ ንምዝርራብ ዜድልዮ ትብዓት ይህቦ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ እቲ ሓው ናብ ኣስራሒኡ ቐሪቡ ፍቓድ ኪሓትት ኣለዎ። ምናልባት እውን ብተደጋጋሚ ኺሓትቶ የድልዮ ይኸውን። እብረኡ ምስ ካልእ ሰራሕተኛ ኺቀያየር የድልዮ ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ደሞዝ ዘይክፈሎ ዕረፍቲ ኺወስድ የድልዮ ይኸውን።

11. ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ነገራት ብተደጋጋሚ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ነገራት ብተደጋጋሚ ኽንጽሊ ይጽበየና እዩ። (1 ተሰ. 5:17) የሱስ ገሊኡ ልማኖታትና ብኡብኡ ኸም ዘይውሃበና ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 11:9) ስለዚ፡ ኣይትተሓለል! ብተደጋጋሚ ኻብ ልቢ ጸሊ። (ሉቃ. 18:1-7) ብዛዕባ ሓደ ነገር ብቐጻሊ ኽንጽሊ ኸለና፡ እቲ ልማኖና ሓላፊ ዊንታ ኸም ዘይኰነ ኢና ንየሆዋ እነርእዮ። ኣብቲ ንዓና ንምሕጋዝ ዘለዎ ኽእለት እምነት ከም ዘሎና እውን ኢና እነርኢ።

ንገሊኡ ልማኖታትና ኸነዐርዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12. (ሀ) ብዛዕባ ልማኖታትና እንታይ ሕቶ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ጸሎትና ንየሆዋ ኸም ዜኽብሮ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ (“ልማኖይ ንየሆዋ ኸም ዘኽብሮ የርኢ ድዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ)

12 ብጸሎት ዝለመንናዮ እንተ ዘይተዋሂቡና፡ ገዛእ ርእስና ሰለስተ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና። እታ ቐዳመይቲ፡ ‘ብዛዕባ ቕኑዕ ነገር ድየ ዝጽሊ ዘለኹ፧’ እትብል ክትከውን ትኽእል እያ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ እንፈልጥ ይመስለና እዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ግና፡ እቲ እንልምኖ ዘለና ነገር ዘይጠቕመና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጸገም ንጽሊ እንተ ኣሊና፡ ነቲ ጸገም እቲ ዚኸውን ዝሓሸ ፍታሕ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ልማኖታትና ኸኣ ምስ ፍቓድ የሆዋ ዘይሰማማዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 5:14) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ወለዲ እስከ ንሕሰብ። ውላዶም ኣብ ሓቂ ምእንቲ ኪቕጽል እዮም ናብ የሆዋ ጸልዮም። እዚ ግቡእ ልማኖ ይመስል ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዋላ ሓዴና ብግዲ ኸም እነገልግሎ ኣይገብርን እዩ። ንሕና ዀንና ውሉዳትና ብናትና ምርጫ ኸነምልኾ እዩ ዚደሊ። (ዘዳ. 10:12, 13፣ 30:19, 20) ስለዚ፡ እቶም ወለዲ፡ ውሉዶም ንየሆዋ ምእንቲ ኼፍቅሮን ፈታዊኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ንልቢ ውሉዶም ንምትንካይ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪልምኑ ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 22:6፣ ኤፌ. 6:4።

ልማኖይ ንየሆዋ ኸም ዘኽብሮ የርኢ ድዩ፧

የሆዋ ንልማኖና ምላሽ ኪህብ ዚደሊ ፈቃር ኣምላኽ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ኣኽብሮት ይግብኦ እዩ። (ራእ. 4:11) እሞ ደኣ ናብ ሰማያዊ ኣቦኻ ልማኖ ኸተቕርብ ከለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣኽብሮትካ ኸተርኢ እትኽእል፧

  • ልማኖኻ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ምዃኑን ቅኑዕ ድራኸ ኸም ዘሎካን ኣረጋግጽ። (1 ዮሃ. 5:14) ጸሎትና ኣብ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ዘተኰረ፡ ማለት ኣብ ድሌትናን ኣብ ባህግናን ጥራይ ዘተኰረ ኪኸውን ኣይግባእን። ያእቆብ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ብኽፉእ ሓሳብ” እንተ ለሚኖም፡ ማለት ንጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ኢሎም እንተ ለሚኖም፡ ምላሽ ከም ዘይረኽቡ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—ያእ. 4:3።

  • ሓደ ነገር ብግዲ ኺግበረልካ ኣይትሕተት። (ማቴ. 4:7) የሆዋ ንዓኻ ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጥ እመን። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ምላሹ ኻብቲ እትጽበዮ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 3:20።

  • ስለቲ መዓልቲ መዓልቲ ዚህበካ ነገራት ኣመስግኖ። መግለጺ ምስጋናኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜሐጕሶ ብኣእምሮኻ ስኣሎ።—ቈሎ. 3:15፣ 1 ተሰ. 5:17, 18።

13. ብመሰረት እብራውያን 4:16፡ መዓስ እዩ የሆዋ ዚረድኣና፧ ግለጽ።

13 እታ ኻልአይቲ ሕቶ፡ ‘የሆዋ ንልማኖይ ሰሚዑ ምላሽ ዚህበሉ ግዜስ ኣኺሉ ድዩ፧’ እትብል ክትከውን ትኽእል እያ። ንጸሎትና ብኡብኡ ምላሽ ኪውሃበና ንደሊ ንኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ የሆዋ መዓስ ዝሓሸ ግዜ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ እዩ። (እብራውያን 4:16 ኣንብብ።) ከምቲ ልማኖና ብኡብኡ እንተ ዘይረኺብና፡ የሆዋ ‘ኣይፋልን’ ኢሉ ኸም ዝመለሰልና ንሓስብ ንኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ምላሹ፡ ‘ንሕጂ ኣይፋልን’ ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሕማሙ ኺሓዊ ዝጸለየ መንእሰይ ሓው እሞ ንሕሰብ። የሆዋ ነቲ ሓው እቲ ብተኣምራዊ መገዲ እንተ ዜሕውዮ ነይሩ፡ እቲ ሓው እቲ ኻብ ሕማሙ ብምሕዋዩ ጥራይ ንየሆዋ ኸም ዜገልግሎ ሰይጣን ምተማጐተ ነይሩ። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4) ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ንዅሉ ሕማማት ዜወግደሉ ግዜ መዲቡ ኣሎ። (ኢሳ. 33:24፣ ራእ. 21:3, 4) ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኼሕውየና ኣይንጽበን ኢና። ስለዚ፡ እቲ ሓው ነቲ ሕማሙ ተጻዊሩ ኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ምእንቲ ኪቕጽል፡ ካብ የሆዋ ብርታዐን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ኪልምን ይኽእል እዩ።—መዝ. 29:11።

14. ካብ ተመክሮ ጃኒስ እንታይ ትምሃር፧

14 ብዛዕባ እታ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ዝጸለየት ጃኒስ እትብሃል ሓብቲ እሞ ንሕሰብ። የሆዋ ንጸሎታ ብኸመይ ከም ዝመለሰላ ቕድሚ ምርድኣ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ሓሊፉ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ነቲ ግዜ እቲ ንዓይ ንምምሃርን ንምዅላዕን እዩ ተጠቒሙሉ። ኣብኡ ዘሎኒ እምነት ኪዓቢ ነይርዎ። ብሕታዊ መጽናዕተይ ኪመሓየሽ ነይርዎ። ውሽጣዊ ሓጐስ እውን ክረክብ ነይሩኒ፣ እዚ ድማ ኣብ ኵነታተይ ዚምርኰስ ኣይኰነን።” ድሕርዚ፡ ጃኒስን ሰብኣያን ኣብ ዕዮ ወረዳ ኼገልግሉ ጻውዒት ቀረበሎም። ጃኒስ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፈቶ ምልስ ኢላ ኽትሓስብ ከላ፡ “በቲ እተጸበኽዎ መገዲ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ የሆዋ ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ። ምላሹ ጽቡቕ ምዃኑ ኽርኢ ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ፍቕሩን ለውሃቱን ስለ ዝረኣኹ ግና ኣዝየ እየ ዘመስግን” ትብል።

ስእልታት፦ 1. ክልተ ኣሓት ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው የመልክታ። ነፍሲ ወከፈን ነቲ መመልከቲ ቕድሚ ምልኣኸን ይጽልያ። 2. ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣሓት ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኸም እተጸውዐት ንመሓዙታ፡ እንተላይ ነታ ዘመልከተት ሓብቲ፡ ተርእየን። 3. እታ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዘይተጸውዐት ሓብቲ ናብ የሆዋ ትጽሊ፡ ካልእ ደብዳበ እውን ትጽሕፍ። ድሕርዚ፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ትሰብኽ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት ህንጸት እውን ትዓዪ።

የሆዋ ኸም ዘይመለሰልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)f

15. ልማኖና ኸነስፍሖ ዜድልየና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

15 እታ ሳልሰይቲ ሕቶ፡ ‘ብዛዕባ ኻልእ ነገርዶ ኽጽሊ ኣሎኒ፧’ እትብል ክትከውን ትኽእል እያ። ብዛዕባ ሓደ ነጥቢ ፈሊኻ ምጽላይ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ልማኖና ዝሰፍሐ ምስ እንገብሮ ግና የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክትምሃር እትደሊ ዝነበረት ዘይተመርዓወት ሓብቲ እስከ ንሕሰብ። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ምእንቲ ኸተገልግል ኢላ እያ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኽትኣቱ ዝደለየት። ስለዚ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኽትጽዋዕ እናጸለየት፡ ኣገልግሎታ ኸተስፍሕ እትኽእለሉ መገድታት ንምንዳይ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክትልምን ትኽእል እያ። (ግብ. 16:9, 10) ድሕሪኡ፡ ንሓላው ወረዳኣ ኣብቲ ኸባቢ ዝያዳ ፈለምቲ ዜድልይዋ ጉባኤ እንተ ኣልያ ብምሕታት፡ ምስ ጸሎታ ተሰማሚዓ ኽትዓዪ ትኽእል እያ። ወይ ድማ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዜድልዩ ንምሕታት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትጽሕፍ ትኽእል እያ።e

16. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

16 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንጸሎትና ብፍቕራውን ብፍትሓውን መገዲ ኸም ዚምልሶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝ. 4:3፣ ኢሳ. 30:18) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ እተጸበናዮ ምላሽ ኣይንረክብን ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንጸሎትና ኸቶ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ኣዝዩ የፍቅረና እዩ። ከቶ እውን ኣይሓድገናን እዩ። (መዝ. 9:10) ስለዚ፡ ‘ኵሉ ግዜ ብእኡ ተኣመን፡’ ብጸሎት እውን ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስስ።—መዝ. 62:8።

ምስ ጸሎትና ብዚተሓሓዝ፡ . . .

  • ካብ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንጽበ ዚግባእ፧

  • የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ይጽበ፧

  • ንገሊኡ ልማኖታትና ኸነዐርዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝሙር 43 ጸሎት ምስጋና

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንጸሎትና ብፍቕራውን ብፍትሓውን መገዲ ወትሩ ኸም ዚምልሰልና ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ትገልጸልና።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ኣብ ናይ ለካቲት 2022 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ተግባር የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ምዃኑስ ትኣምን ዲኻ፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ሕ.ጽ. 3-6 ርአ።

d የሆዋ ንጸገማትና ብኸመይ ክንጻወር ከም ዚሕግዘና ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ጸሎት ጸገማትና ኽንጻወር ይሕግዘና ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

e ኣብ ክሊ ኻልእ ጨንፈር ብዛዕባ ምግልጋል መምርሒታት ንምርካብ፡ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምዕ. 10፡ ሕ.ጽ. 6-9 ርአ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ክልተ ኣሓት ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው የመልክታ። ድሕርዚ፡ ሓንቲአን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ትጽዋዕ፣ ሓንቲአን ግና ኣይትጽዋዕን። እታ ዘይተጸውዐት ሓብቲ በዚ ኣመና ኣይትጕህን፣ የግዳስ፡ ብኻልእ መገዲ ኣገልግሎታ ንምስፋሕ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ትልምን። ድሕሪኡ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ምእንቲ ኸተገልግል ኢላ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደብዳበ ትጽሕፍ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ