ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp22 ቍ. 1 ገጽ 8-9
  • 2 | ሕነ ኣይትፍደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2 | ሕነ ኣይትፍደ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ክትብደል ከለኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዝመረሮን ዓመጸኛን እየ ነይረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
wp22 ቍ. 1 ገጽ 8-9
ክልተ እተቘጥዑ ሰባት ኣብ ጨናፍር ሓንቲ ኦም ኣብ መንጽር ሓድሕድ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ነፍሲ ወከፎም ኮፍ ዝበሉሉ ጨንፈር ብመጋዝ ይቘርጹ ኣለዉ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

2 | ሕነ ኣይትፍደ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ‘“ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”—ሮሜ 12:17-19።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ክንብደል ከለና ዚስምዓና ቝጥዓ ባህርያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ግና ሕነ ኽንፈዲ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ንዅሉ በደል ስለ ዜዐርዮ፡ ንዕኡ ኽንጽበዮ እዩ ዚምሕጸነና።—መዝሙር 37:7, 10።

ክትገብሮ እትኽእል፦

ዘይፍጹማት ሰባት ሕነ ምስ ዚፈድዩ፡ ንዓንኬል ጽልኢ እዮም ዜጐሃህርዎ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ እንተ በዲሉካ ወይ እንተ ጐዲኡካ፡ ሕነ ኣይትፍደ። ሰላማዊ ኽትከውን ጽዓር፡ ንስምዒትካ እውን ተቘጻጸሮ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ በደል ዕሽሽ ምባል፡ ካብ ተወሳኺ ስቓይ ይሰትረካ እዩ። (ምሳሌ 19:11) ልክዕ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ መዳይ ንጹር ጥቕሚ ትረኽበሉ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ነገር ፍታሕ ክትረኽበሉ ትውስን ትኸውን። ንኣብነት፡ ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እዚ ንፖሊስ ወይ ንኻልኦት ሰበ ስልጣን ንምሕባር ትውስን ትኸውን።

ዓንኬል ምፍዳይ ሕነ፡ ገዛእ ርእስኻ እዩ ዚጐድእ

ነቲ ጸገም ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ወይ ከኣ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዚከኣለካ ጌርካ ኽነስኻ እንተ ዘይሰሊጡካኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እውን፡ ሕነ ኣይትፍደ። ሕነ ምፍዳይ፡ ነቲ ዅነታት የጋድዶ እዩ። ሕነ ኣብ ክንዲ እትፈዲ፡ ንዓንኬል ጽልኢ ስበሮ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንጸገማት ብመገዲ ኣምላኽ ክትፈትሖ ኸም እትኽእል፡ እምንቶ ኸተሕድር ኢኻ። እወ፡ “ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ።”—መዝሙር 37:3-5።

ናይ ሓቂ ታሪኽ—ኣድርያን

ኣብ ልቡ ዝነበረ ሕነ ኣወጊዱ

ኣድርያን።

ኣድርያን ኣብ እዋን ጕብዝናኡ ልቡ ብጽልኢ መሊኡ ብምንባሩ፡ ብሕነ ተለዓዒሉ ኣብ ጐደናታት ይብኣስ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ብዙሕ ግዜ ብጠበንጃ ኣብ ዚግበር ባእሲ እካፈል ነይረ እየ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሰብነተይ ብደም ተጸያይቑ፡ ዝሞትኩ መሲልዎም ኣብ ጐደና ሓዲጎምኒ ይኸዱ ነበሩ።”

ኣድርያን ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝቐጸልኩ [መጠን]፡ ኣብ ባህርያተይ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ” ይብል። ጽልኢ ኺሓድግ፡ ዓመጻ እውን ኪገድፍ ነበሮ። ምናዳ እቲ ኣብ ሮሜ 12:17-19 ዚርከብ ሕነ ብዛዕባ ዘይምፍዳይ ዚገልጽ ሓሳብ ጠቒምዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “የሆዋ፡ ንዘይፍትሓውነት ብናቱ መገድን ኣብ ዝደለዮ ግዜን ኪኣልዮ ምዃኑ ኣመንኩ። በብቝሩብ ድማ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ኣነባብራይ ሓደግክዎ።”

ሓደ ምሸት፡ ቀደም መቐናቕንቱ ዝነበሩ ጕጅለ ዓዋሉ ኣጥቅዕዎ፣ መራሒኦም ድማ፡ “ገዛእ ርእስኻ ተኸላኸል!” ኢሉ ጨደረሉ። ኣድርያን ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሕነ ኽፈዲ ዚደፋፍእ ሓያል ስምዒት . . . ነበረኒ” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዓጸፌታ ኣብ ክንዲ ዚምልስ፡ ናብ የሆዋ ሓጺር ጸሎት ድሕሪ ምጽላይ ሓዲግዎም ከደ።

ኣድርያን ኣስዒቡ ኸምዚ ይብል፦ “ንጽብሒቱ፡ ምስቲ መራሒ እቶም ጕጅለ ጐፍ ንጐፍ ተራኸብና። ሽዑ ስለ ዝሓረቕኩ፡ ሕነ ኽፈዲ ደልየ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ርእሰይ ንምግታእ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ብልበይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። እቲ ዜገርም ድማ እቲ መንእሰይ ናባይ ቀሪቡ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ትማሊ ምሸት ዘጋጠመ ነገር ይቕረታ ግበረለይ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣነ እውን ከማኻ ክኸውን እየ ዝደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ክምሃር እደሊ እየ’ በለኒ። ቍጥዓይ ክቈጻጸር ብምኽኣለይ፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ።”

ተወሳኺ ታሪኽ ኣድርያን ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ቍ. 5 2016፡ ኣብ ገጽ 14-15 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ