ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w22 ለካቲት ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርዳእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ምቕራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
w22 ለካቲት ገጽ 31

ትፈልጥዶ፧

ባሬቶታት ኰና ረገቢት ንመስዋእቲ ቕቡላት ምዃነን ጠቓሚ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ባሬቶታት ኰና ረገቢት ንመስዋእቲ የሆዋ ቕቡላት እየን ነይረን። እዘን ክልተ ዓይነት ኣዕዋፍ እዚአን፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ትሕቲ እቲ ብዛዕባ መስዋእቲ እተዋህበ ሕጊ ብሓባር እየን ዚጥቀሳ ነይረን፣ ንሓድሕደን እውን ይተኻኽኣ ነይረን እየን። (ዘሌ. 1:14፣ 12:8፣ 14:30) እዚ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ባሬቶታት ወትሩ ይርከባ ብዘይምንባረን እዩ። ስለምንታይ እየን ወትሩ ዘይርከባ ነይረን፧

ባሬቶ

ባሬቶታት ኣብ ምዉቕ ኣዋርሕ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ዚርከባ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈልሳ ኣዕዋፍ እየን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ብደቡብ ናብ ዚርከባ ዝያዳ ሙቐት ዘለወን ሃገራት ይፈልሳ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ድማ ናብ እስራኤል ይምለሳ። (መሃ. 2:11, 12፣ ኤር. 8:7) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ እዋን ክረምቶም ባሬቶታት ከም መስዋእቲ ጌርካ ምቕራብ የጸግሞም ነይሩ እዩ።

ርግቢ

በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ረገቢት መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ስለ ዘይፈልሳ፡ ምሉእ ዓመት ኣብ እስራኤል ይርከባ ነይረን እየን። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ረገቢት ዘቤታውያን ኪዀና ይኽእላ እየን። (ምስ ዮሃንስ 2:14, 16 ኣረኣኢ።) ብመሰረት ባይብል ፕላንትስ ኤንድ ኣኒማልስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኵለን እተን ኣብ [እስራኤል] ዝነበራ ኣቝሻትን ከተማታትን ዝለመዳ ረገቢት ነይርወን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት እዘን ኣዕዋፍ እዚአን ዚነብራሉ ሰፈር ርግቢ፡ ወይ ኣብ መንደቕ እተነድለ ነዃል ነይርዎ እዩ።”—ምስ ኢሳይያስ 60:8 ኣረኣኢ።

ኣብ ሰፈራ ዝሰፈረት ርግቢ

በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ነተን ኣብ እስራኤል ምሉእ ዓመት ዚርከባ ኣዕዋፍ ከም መስዋእቲ ገይሩ ብምቕባል ፍቕሩን ሚዛናውነቱን ኣርእዩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ