ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ሰነ ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ቤት መቕደስ የጽሪ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ሰነ ገጽ 32
የሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዕድጉን ዚሸጡን ዝነበሩ ነጋዶ ይሰጕጎም

ትፈልጥዶ፧

እቶም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ እንስሳታት ዚሸጡ ዝነበሩ ነጋዶ፡ “ጐሓሉት” ኪብሃሉስ ዚግብኦም ድዩ፧

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ንዅሎም እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ሰጐጎም፣ ሰደቓታት ኣሽረፍትን መናብር እቶም ረገቢት ዚሸጡ ዝነበሩን ከኣ ገልበጠ። ‘“ቤተይ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ” ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ትገብርዋ ኣለኹም’ ድማ በሎም።”—ማቴ. 21:12, 13።

መዛግብቲ ታሪኽ ኣይሁድ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ነጋዶ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ እናኣኽፈሉ ነቲ ህዝቢ ይምዝምዝዎ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዋጋ ንመስዋእቲ ዝዀና ኽልተ ርግቢ ኽሳዕ ሓደ ዲናር ወርቂ ኸም ዝበጽሐ ኣብ ሚሽናህ (ከሪቶት 1:7) ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓደ ተራ ሸቃላይ ኣብ 25 መዓልቲ ምስ ዚረኽቦ ደሞዝ ዚመዓራረ እዩ ነይሩ። ዓቕሚ ዘይብሎም ድኻታት፡ ረገቢት ንመስዋእቲ ኬቕርቡ ይፍቀደሎም ነይሩ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ዋጋአን ልዕሊ ዓቕሞም እዩ ዀይኑ ነይሩ። (ዘሌ. 1:14፣ 5:7፣ 12:6-8) ረቢ ሽምዖን በን ገማልኤል በዚ ስለ እተቘጥዐ ኸኣ፡ ቍጽሪ እቲ ግዴታዊ መስዋእቲ ነከዮ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዋጋ ኽልተ ርግቢ ሓደ ሚእታዊት ናይ ዲናር ወርቂ ዀይኑ ነበረ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ የሱስ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ መዝመዝትን ስሱዓትን ነጋዶ፡ “ጐሓሉት” ኢሉ ኺጽውዖም ሓቁ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ