ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 76 ገጽ 180-ገጽ 181 ሕ.ጽ. 2
  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ቤት መቕደስ የጽሪ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንአ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 76 ገጽ 180-ገጽ 181 ሕ.ጽ. 2
የሱስ መግረፊ ገይሩ ነተን እንስሳታት ካብ ቤተ መቕደስ የውጽአን፡ ንሰደቓታት እቶም ኣሽረፍቲ እውን ይግልብጦ

ትምህርቲ 76

የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

ኣብ ከባቢ ወርሒ ሚያዝያ 30 ድ.ክ.፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከደ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ፋስጋ ንምብዓል ናብታ ኸተማ መጹ። ኣብቲ በዓል ድማ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ እንስሳታት ይስውኡ ነበሩ። ገሊኦም ሰባት ነቶም እንስሳታት ሒዞምዎም ይመጹ ነበሩ፣ ገሊኦም ግና ኣብ የሩሳሌም ይዕድግዎም ነበሩ።

የሱስ ናብታ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ እንስሳታት ዚሸጡ ሰባት ረኣየ። ኣብታ ቤት ኣምልኾ የሆዋ፡ ከይሓፈሩ መኽሰብ ኪረኽቡ ይጽዕሩ ነበሩ! እሞኸ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ነተን ኣባጊዕን ነቶም ከብትን ካብታ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም። ሰደቓታት ኣሽረፍቲ ኸኣ ገልበጠ፡ ሰልዶም እውን ኣብ ባይታ ፋሕ በለ። የሱስ ከኣ ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት፡ ‘ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ! ንቤት ኣቦይ፡ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዋ!’ በሎም።

ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ሰባት ከኣ በቲ የሱስ ዝገበሮ ተገረሙ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዛዕባ መሲሕ፡ ‘ምእንቲ ቤት የሆዋ፡ ቅንኣት ኪሓድረኒ እዩ’ ዚብል ትንቢት ከም ዝነበረ ዘከሩ።

ደሓር፡ ኣብ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ካልኣይ ሳዕ ኣጽርይዋ እዩ። ዝዀነ ሰብ ንቤት ኣቦኡ ኺንዕቕ ኣይፈቅድን እዩ ነይሩ።

“ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”—ሉቃስ 16:13

ሕቶታት፦ የሱስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ሸየጥቲ እንስሳታት ምስ ረኣየ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ስለምንታይ እዩ የሱስ ከምኡ ገይሩ፧

ማቴዎስ 21:12, 13፣ ማርቆስ 11:15-17፣ ሉቃስ 19:45, 46፣ ዮሃንስ 2:13-17፣ መዝሙር 69:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ