ዛንታ 89
የሱስ ቤት መቕደስ የጽሪ
ኣብዚ ስእሊ የሱስ ዝሓረቐ ይመስል: ኣይኰነንዶ፧ ስለምንታይ ኣዝዩ ከም ዝሓረቐ ትፈልጥዶ፧ እዞም ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዘለዉ ሰባት ኣዝዮም ስሱዓት ስለ ዝዀኑ ኢዩ። ካብቶም ንኣምላኽ ከምልኹ ዝመጹ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ክእክቡ ኢዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ።
እዞም ኵሎም ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ እቶም ሰባት ነዞም እንስሳታት እዚኣቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ኰይኖም ይሸጥዎም ኣለዉ። ስለምንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጦዶ፧ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ክስውኡሉ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ስለ ዘድልዮም ኢዩ።
ሕጊ ኣምላኽ ሓደ እስራኤላዊ እንተድኣ በዲሉ ንኣምላኽ መስዋእቲ ከቕርብ ኣለዎ ኢዩ ዝብል ነይሩ። እስራኤላውያን መስዋእቲ ከቕርቡሉ ዝግብኦም ካልእ ግዜታት እውን ነይሩ ኢዩ። ሓደ እስራኤላዊ ግን ንኣምላኽ ዝስዋእ ዑፍ ወይ ከኣ እንስሳ ካበይ ኢዩ ኽረክብ ዝኸእል፧
ገሊኦም እስራኤላውያን ኣዕዋፍን እንስሳታትን ነይሮምዎም ኢዮም። ስለዚ ካብኦም ክስውኡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ብዙሓት እስራኤላውያን ግን እንስሳታት ወይ ኣዕዋፍ ኣይነበሮምን። ካልኦት ከኣ ካብ የሩሳሌም ኣዝዮም ርሒቖም ይነብሩ ስለ ዝነበሩ: ካብ ጥሪቶም ሓንቲ ሒዞም ናብ ቤት መቕደስ ክመጹ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ስለዚ እቶም ሰባት ኣብዚ መጺኦም እቲ ዘድልዮም እንስሳ ወይ ዑፍ ይገዝኡ ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን ነቶም ሰባት ብዙሕ የኽፍልዎም ነበሩ። ነቶም ህዝቢ ይሰርቅዎም ነበሩ። ብጀካ እዚ ኸኣ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኰይኖም ክሸጡ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም።
ንየሱስ ዘሕረቖ ኸኣ እዚ ኢዩ። ስለዚ ንጣውላ ናይቶም ሰባት ምስ ገንዘቡ ገልበጦ: ነቲ ሰልዶም ከኣ በተኖ። ብናይ ገመድ ኵርማጅ ገይሩ ኸኣ ነቶም እንስሳታት ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም። ነቶም ረገቢት ዝሸጡ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ‘ካብዚ ኣውጽእዎም! ቤት ኣቦይ መእተዊ ገንዘብ ኣይትግበርዎ’ በሎም።
ገለ ካብቶም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስኡ ኣለዉ። በቲ የሱስ ክገብሮ ኸሎ ዝረኣይዎ ኸኣ ተገሪሞም ኢዮም ዘለዉ። ድሕርዚ እቲ ‘ቕንኣት ቤትካ በልዓኒ’ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ተጻሒፉ ዘሎ ዘከሩ።
የሱስ በዓል ፋስጋ ኸብዕል ኣብ የሩሳሌም ከሎ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ። ድሕርዚ የሱስ ንይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ኽጓዓዝ ጀመረ። ንእግረ መገዱ ግን ብኣውራጃ ሰማርያ ኣቢሉ ሓለፈ። ኣብኡ እንታይ ከም እተፈጸመ እስከ ንርአ።