ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 16 ገጽ 42-ገጽ 43 ሕ.ጽ. 8
  • የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንአ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንአ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣብ ቃና ኻልኣይ ተኣምር ገበረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ናይ መጀመርታ ተኣምር ገበረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 16 ገጽ 42-ገጽ 43 ሕ.ጽ. 8
የሱስ ነቶም ኣሽረፍቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ይሰጕጎም

ምዕራፍ 16

የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንአ

ዮሃንስ 2:12-22

  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

ድሕሪ እቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ፡ የሱስ ናብ ቅፍርናሆም ከደ። ኣደ የሱስን ኣሕዋቱ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን እውን ምስኡ ኸዱ።

ስለምንታይ እዩ ግና የሱስ ናብ ቅፍርናሆም ዝኸደ፧ እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ ናዝሬት ወይ ካብ ቃና ኣብ ዝሓሸ ቦታ እተደኰነትን ዝዓበየትን ዝነበረት እዩ ዚመስል። መብዛሕትኦም እቶም የሱስ ዝረኸቦም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ቅፍርናሆም ወይ ኣብ ከባቢኣ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንዓታቶም ኣብ ከባቢ ዓዶም ስልጠና ኺህቦም ክኢሉ እዩ።

የሱስ ኣብቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ብዙሕ ዜደንቕ ግብርታት ገበረ። ስለዚ፡ ብዙሓት ኣብታ ኸተማን ኣብ ጐደቦታታን ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሰምዑ። እቶም ውፉያት ኣይሁድ ዝነበሩ የሱስን ብጾቱን ግና፡ ብ30 ድ.ክ. ዝወዓለ ፋስጋ ኼብዕሉ ናብ የሩሳሌም ነቐሉ።

ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ የሱስ ቕድሚኡ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ኣዝዩ ዜገርም ነገር ረኣዩ።

ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ፡ እስራኤላውያን ናብ ቤተ መቕደስ ከይዶም እንስሳታት ኪስውኡ ነበሮም፣ ኣብቲ ኣብኡ ዝጸንሑሉ ግዜ ድማ ስንቂ የድልዮም ነበረ። ስለዚ፡ እቶም ካብ ርሑቕ ቦታ ናብ የሩሳሌም ዚጐዓዙ፡ ገንዘብ ሒዞም ከይዶም “ከብትን ኣባጊዕን ኣጣልን” ካልእ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዚጸንሑሉ እዋን ዜድልዮም ነገራትን ኪዕድጉ ይፍቀደሎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 14:24-26) ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ነጋዶ፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ እቲ ዓብዪ ኣጸድ ቤተ መቕደስ፡ እንስሳታት ወይ ኣዕዋፍ ይሸጡ ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ከም ዚኸፍሉ ብምግባር የታልልዎም ነበሩ።

የሱስ በዚ ተቘጢዑ፡ ንሰልዲ እቶም ኣሽረፍቲ ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ገልበጦ፡ ንዓታቶም እውን ሰጐጎም። “ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ! ንቤት ኣቦይ፡ ደጊም ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዋ!” ድማ በሎም።—ዮሃንስ 2:16።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ነቲ፡ “ቅንኣት ቤትካ ኺበልዓኒ እዩ” ዚብል ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ዘሎ ትንቢት ዘከርዎ። እቶም ኣይሁድ ግና፡ “እዚ እትገብር ካብ ኣለኻስ፡ እንታይ ትእምርቲኸ ኸተርእየና ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ድማ፡ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኸተንስኣ እየ” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 2:17-19፣ መዝሙር 69:9።

ኣይሁድ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዚዛረብ ዘሎ ስለ ዝመሰሎም፡ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ብ46 ዓመት እያ ተሃኒጻ፣ ንስኻዶ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኸተተንስኣ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ዮሃንስ 2:20) የሱስ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ዘረባ እዚ ዘከርዎ።

  • ድሕሪ እቲ ኣብ ቃና ዝነበረ መርዓ፡ የሱስ ናበይ እዩ እተጓዕዘ፧

  • የሱስ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይከ እዩ ዝገበረ፧

  • የሱስ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ” ኺብል ከሎ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ እንታይ ማለቱኸ እዩ ነይሩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ