ትፈልጥዶ፧
ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ፡ ኣሽረፍቲ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
▪ የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ፡ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ በደል ስጕምቲ ወሰደሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “የሱስ . . . ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። ንሱ ኸኣ፤ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም።”—ማቴዎስ 21:12, 13።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን፡ ካብቲ ዚነብሩሉ እተፈላለየ ሃገራትን ከተማታትን ሰሰልዶም ሒዞም፡ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ይመጹ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ዓመታዊ ግብሪ ቤተ መቕደስ ንምኽፋል፡ ንመስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ንምዕዳግ፡ ከምኡውን ካልእ ብፍቓድ ዚግበር መስዋእቲ ንምቕራብ፡ ኣብ የሩሳሌም ዚዕየየሉ ዝነበረ ገንዘብ ኪጥቀሙ ነበሮም። ስለዚ፡ እቶም ኣሽረፍቲ ነቲ ኻብ እተፈላለየ ቦታታት ዝመጸ ሰልዲ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚዕየየሉ ዝነበረ ገንዘብ የሽርፍዎ እሞ፡ ካብኡ እተወሰነ ንርእሶም የትርፉ ነበሩ። በዓል ኣይሁድ ኪቐርብ ከሎ፡ እዞም ኣሽረፍቲ እዚኣቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ኣብቲ ኣጸድ ኣህዛብ ዚበሃል ቦታ፡ ሰደቓ ገይሮም ይዓዩ ነበሩ።
የሱስ ነቶም ኣሽረፍቲ፡ ነታ ቤት መቕደስ “በዓቲ ጐሓሉት” ከም ዝገበርዋ ምንጋሩ፡ እቶም ኣሽረፍቲ ነቶም ህዝቢ ኣመና ብዙሕ ገንዘብ ይወስዱሎምን ይብዝብዝዎምን ከም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ።
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣውልዕ ዚፍቶ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
▪ ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ንዕኡ እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ኪነግሮም ከሎ፡ ኣውልዕን ወይንን ከም ዚህቦም ገሊጹ ነበረ። (ዘዳግም 6:10, 11) ክሳዕ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣውልዕ ኣብቲ ዚበቝለሉ ቦታታት ኣዝዩ እዩ ዚፍቶ። ብዙሕ ክንክን ከየድለዮ፡ ንኣማእታት ዓመታት ብዙሕ ኬፍሪ ይኽእል እዩ። ጽቡቕ ክንክን እንተ ረኺቡ፡ ኣብ ኣእማን ዝመልኦ መሬት ኪበቍል ይኽእል እዩ፣ ዋላ እውን ብተደጋጋሚ ድርቂ እንተ ኣጋጠሞ፡ ፍረ ኻብ ምሃብ ኣየቋርጽን እዩ። ምስ ተቘርጸ ወይ ምስ ወደቐ እውን እንተ ዀነ፡ እንደገና ኺጥጥዕ ይኽእል እዩ።
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅላጥ ኦም ኣውልዕን ቈጽሉን፡ ፈውሲ ረስኒ ዀይኑ የገልግል ነበረ። እቲ ኻብ ዝኣረገ ጨናፍር ዚነዝዕ ፈሳሲ፡ ቫኒላ ቫኒላ ስለ ዚጨኑ፡ ጨና ንምስራሕ ይውዕል ነበረ። ብቐንዱ ግና፡ ፍረ ኣውልዕ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኻብኡ ዚርከብ ዘይቲ፡ ምንጪ ምግቢ እዩ ነይሩ። ከርሲ ናይ ሓደ ዝበሰለ ፍረ ኣውልዕ፡ ፍርቁ ዘይቲ እዩ ዚኸውን።
ሓደ ጽቡቕ ኦም ኣውልዕ፡ ኣብ ዓመት ክሳዕ 57 ሊትሮ ዘይቲ ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣውልዕ ንመብራህቲ፡ ንጽምብላውን ንሃይማኖታውን ዕላማ፡ ንመመላኽዒ ይውዕል ነበረ፣ ፈውሲ ቝስልን ስምብራትን ኰይኑ እውን የገልግል ነበረ።—ዘጸኣት 27:20፣ ዘሌዋውያን 2:1-7፣ 8:1-12፣ ሩት 3:3፣ ሉቃስ 10:33, 34።